Home ማሕበራዊ ምስዋር መረዳታ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ

ምስዋር መረዳታ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ

1106
0

ሬሳ ብምስራቕ ዝተጀመረ ክሕደት ሕዚ እውን መረዳእታ ንምስዋር ኣዕፅምቲ ተጋሩ ይፈሓር ከምዘሎ ነበርቲ ማይካድራ ገሊፆም፡፡ ተሓለቅቲ ሰብአዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይት ዎችን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፣ ገበን ኲናትን ምፅራይ ዓሌትን ተፈፂሙ እዩ ኢሎም ዘውፅእዎ ሓበራዊ ፀብፃብ ትክክለኛን ዝያዳ ተወሳኪ ፅንዓት ተጌርሉ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቀርቡ ዝገብር ፅቡቕ ጅማሮ እዩ ክብሉ ካብ ከተማ ማይካድራ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተዓቆቡ ወገናት ገሊፆም፡፡

ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ማይካድራ ኣብ ልዕሊ ደቂ ትግራይ ዝፈፀምዎ ዘስካሕክሕ ጨፍጫፍ ከይኣክል ሕዚ ድማ መረዳእታ ንምስዋር ኣዕፅቲ እናፈሓሩ ይሓብእዎን የቃፅልዎን ከምዘለዉን እዚ ድማ ካልኣይ ጥፍኣት ከምዝኮነን ተሓለቅቲ ሰብአዊ መሰላት ብትኹረት ክከታተልዎን እቶም ነበርቲ ፀዊዖም፡፡ አቶም ተመዛበልቲ ተሓለቅቲ ሰብአዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይት ዎችን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝበፅሐን ዝቅፅልን ዘሎ ቅሉዕ ገበናት ጆኖሳይድ ተፈፂሞም እዮም ኢሎም ዘውፅእዎ ፀብፃብ ትክክል እዩ ኣብ ባይታ ዘለዉ ሓቅታት እዮም ኢሎም፡፡

ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ማይካድራ ኣብ ልዕሊ ደቒ ትግራይ ዘስካሕክሕ ጨፍጫፎፍ ፈፂሞም ተጨፍጪፍና እናበሉ ዓለም ከደናግሩ ፀኒሖም እዮም ዝበሉ እቶም ነበርቲ ሕዚ ድማ መረዳእታ ንምስዋር ኣዕፅምቲ እናፈሓሩ ንምሕባእ ዝገብርዎ ዘለዉ ካልአይ ጥፍኣት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ብትኹረት ክከታተልዎ ፀዊዖም∶∶ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ሕዚ እውን ዝተዋደደን ዝተጠናከረን ገበን ጀኖሳይድ ይቅፅል ከምዘሎን እዚ ገበን ጀኖሳይድ ደው ክብልን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቀርቡን ተመዛበልቲ ናብ መረበትና ክንምለስን ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ዝጀመርዎ መፅናዕታት ብምጥንካር ንተግባራውነቱ ብዕቱብ ክሰርሑ ይግባእ ክብሉ እቶም ነበርቲ ማይካድራ ኣተሓሳሲቦም ∶∶

ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይት ዎችን ብገበቲ ሓይልታት አምሓራ፣ ብሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ብሰራዊት ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ጥሕሰት ሰብአዊ መሰል፣ ገበን ኲናትን ምፅራይ ዓሌትን ከምዘተፈፀመ ናይ ሓባር ፀብፃብ ምውፅኦም ዝዝከር እዩ፡፡

ብጎይተኦም ተከስተ

Previous articleወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ክልል ኦሮምያ ቀልጢፎም ይውፅኡ -ኦፌኮ
Next articleዝተጋደደ ዓፀባ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ