Home ዜና ምስዋር መረዳእታ ጅምላዊ ጨፍጫፍን መቓብራትን ንፁሃን ተጋሩ

ምስዋር መረዳእታ ጅምላዊ ጨፍጫፍን መቓብራትን ንፁሃን ተጋሩ

973
0

ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ክፍሊ ምደባ በጀት ሕቡራት ሃገራት ዝገጠሞም ፍሽለት ብግህሰት ኩለንትናዊ መሰላት ከይሕተቱ ካብ ዘለዎም ፍርሕን ራዕድን ተበጊሶም መርትዖ ክኸውን እዩ ንዝበልዎ ኩሉ መረዳእታ ኣብ ምጥፋእ ተጸሚዶም ከምዝርከቡ ተገሊፁ፡

፡ ልፍንታውያን ሓይልታት ጥፍኣት ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀምዎ ኩናት ጀኖሳይድ ከምእንደገና ክምርመር ብኣባላት ሕቡራት ሃገራት ዝተጣየሰ መርማሪ ጉጅለ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ብዕሊ ኣዊጆም እዮም፡፡

ብድሕሪ እዚ ድማ ብፋሽስቲ ኣብይ ዝምራሕ ስርዓት ኢትዮጵያ ነዚ ብኣብዛሓ ሃገራት ዓለም ድምፂ ረኺቡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ኩለንትናዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንክምርምር ዳግም ንዝተጣየሰ ጉጅለ መርማሪ ኮምሽን ስርሑ ከሳልጠሉ ዝኽእል በጀት ከይምደበሉ ዘቕረቦ ረቂቅ ኣቕዋም ውዱቕ ምዃኑ ስዒቡ ኣብ ባይታ ንዝፈፀሞ ጃምላዊ ጨፍጫፍን ህልቀትን ኣሰሩ ከይርከብ ብመደብ ይሰርሕ ከምዘሎ መርበብ ሓበሬታ ጂኤንኤን ሓቢሩ፡፡

ከም ሓበሬታ ግሎብ ኒውስ ኔት ድማ መርማሪ ጉጅለ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ስርሑ ንምጅማር ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ከምዝበፅሐ ዝተገንዘቡ ሰበስልጣናት ፋሽሽቲ ኣብይን ክልል ኣምሓራን ነቶም ኣብ እዋን ቁሉዕ ወራር ትግራይ ብልፍንቲ ሓይልታት ፌደራል ኣምሓራ ኤርትራን ሶማልያን ብጃምላ ናይ ዝተረሸኑ ብኣሽሓት ዝግመቱ ሬሳታት ንፁሃን ትግራዎት ካብ ዝተቐበርሉ ቦታታት እናፈሓሩ ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ይወስድዎም ኣለው ኢሉ፡፡

ትግራይ ኣድቮካሲ ግሩብስ ዝተባህለ ተሓላቒ ብወገኑ ሰበ-ስልጣናት ፌደራልን ኣምሓራን መረዳእታ ንምጥፋእ ኮነ ኢሎም ይሰርሑ ምህላዎም ዝገለፀ ኮይኑ ማሕበረሰብ ዓለም ብህፁፅ ኣብ ባይታ ወሪዱ ደው ከብሎም ፀዊዑ፡፡መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ መጋቢት 2013 ዓ/ም ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢኡ ኣንተንዮ ቢልንከን ኣቢሉ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ገበን ምንፃህ ዘርኢ ከምዝተፈፀመ ዕላዊ ምግባሩ ይፍለጥ፡፡

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleምርግጋፅ ሓለዋ ፀጥታ ከባቢ
Next articleተደራራቢ ግፍዒ ኣብ ጉድኣት ኣካል ትግራይ