Home ማሕበራዊ ምስ ሃፍተንን ንብረተንን ዝጠመያ በዓል ሃፍቲ

ምስ ሃፍተንን ንብረተንን ዝጠመያ በዓል ሃፍቲ

860
0

ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ካብ ማእቶት ወፃኢ ንዘበናት ተንከራቲተን ሰሪሐን ዘጥረይኦ ሃፍትን ንብረትን ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ካብ ማእቶት ወፃኢ ኮይኑ ብጥምየትን ሕማምን ይሳቐያ ከምዘለዋ ነባሪት ከተማ ኩሓ ወይዘሮ ፅጌ ገብረሂወት ገሊፀን፡፡ወ/ሮ ፅጌ ገብረሂወት ናብ ስደት ወፂአን ሰሪሐን ብዝረኸብኦ ገንዘብ ኣብ ዓደን መንበሪ ገዛን ሰፊሕ መሬት ዝሓዘ ዓብዪ ሆቴልን ኣብ ከተማ ኩሓ ሃኒፀን ዝሐሸ መነባብሮ ይነብራ ነይረን፡፡

ሐዚ ግና ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኩናትን ዝሰዓበ ክባን ዕፅዋን እቲ ሆቴል ተዓፅዩ ካብ ማእቶት ወፃኢ ኮይነን ዝወስድኦም መድሓኒት እውን ስኢነን ኣደዳ ሕማምን ጥምየትን ኮይነን እየን፡፡ እዘን ወላዲት ግዘ ፈዲዩወን ዓቕለን ንዘፅበቡለን ጥምየትን ሕማምን መግለፂ ቃላት ስኢነን ብንብዓተን ገሊፀንኦ፡፡ወ/ሮ ፅጌ ንነዊሕ እዋን ጠንኪረን ሰሪሐን ስድርአን ብኣግባቡ ዘመሓድራ ዝነበራን መርኣያ ብዙሓት ጠንካራ ኣዴታት ከምዝነበራን ብሰንኪ ኩናት ፣ ክባን ዕፅዋን ካብ ማእቶት ወፃኢ ኮይነን ንዝኸፈአ ፀገም ተቓሊዐን ከምዘለዋ ድማ ጎረባብቲ ወይዘሮ ፅጌ ምስክርነቶም ሂቦም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ንዘበናት ፅዒሩ ጠዋሪኡ ክኾኖ ዘጥረዮ ሃፍቲ ብፋሽሽታውያን ክዓኑ ተገይሩ፡፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኑ እዩ፡፡ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ነዞም ኣንፃር ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንዝተልዓሉ ፀላእቲ ይምክት ከምዘሎን እዚ ኩሉ ሓሊፉ ፅባሕ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ሰላም ረኺቡ ቀሲኑ ዝነብረሉ መዓልቲ ቀረባ እዩ ድማ ኢለን ወ/ሮ ፅጌን ጎረባብቲ ወ/ሮ ፅጌን፡፡ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝገጠሞ ዓፀባ ተናጊፉ ናብ ንቡር ክምለስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ኩሉ ትግራዋይ ተሳታፋይ ክኾን ድማ ፃዊዒቶም ኣቕሪቦም፡፡

ብራሄል ኣረጋዊ

Previous articleርክብ ህዝብታት ዓፋርን ትግራይን ብምጥንኻር በብእዋኑ ዘጋጥሙ ጎንፅታት ክንኣልዮም ይግባእ – ኣቦ ገረባት
Next articleጉዕዞ ኲናትን ቁጠባዊ ውድቀትን