Home ቅያና ምስ ሰለስተ ደቆም ዝተጋደሉ

ምስ ሰለስተ ደቆም ዝተጋደሉ

698
0

ህላወ ትግራይን ደቃን ምስ ዝረጋገፅ ህላወ ስድራና ዝረጋገፅ ምዃኑ ብምእማን እየ ደቀይ ሒዘ ዝቃለስ ዘለኹ – ተጋዳላይ ሓጎስ ገ/ሚካኤል —-ተጋዳላይ ሓጎስ ገ/ሚካኤል ነባሪ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት እዩ፡፡ ተጋዳላይ ሓጎስ ከም ዕድል ኮይኑ ከምቲ ኣብዝሓ ደቒ ትግራይ ካብ ምድምሳስ ስርዓት ደርጊ ክሳብ ምቕላስ ኣንፃር ስርዓት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መሻርክቱን ዘለዉ ናይ ቓልሲ ምዕራፋት ተቓሊሱን ሐዚ እዉን ኣብ ምቅላስ ይርከብ፡፡ሐዚ ግን ከምቶም ካልኦት እዋናት በይኑ ኣይኮነን ዝቃለስ ዘሎ ሰለስተ መላምል ደቁ ኣሰሊፉ ንሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ይኳሻሕ ከም ዘሎን ህላወ ትግራይን ተጋሩን ምስ ዝረጋገፅ ህላወ ስድራና ዝረጋገፅ ምዃኑ ብምእማን እየ ደቀይ ሒዘ ዝቃለስ ዘለኹ ኢሉ፡፡

በቲ ኣብ ሕሉፍ ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ መስዋእቲ ደቂ ትግራይ ከብቅዕ ትምኒትና ዋላ እኳ እንተነበረ እዚ ግን ክከውን ኣይከኣለን ምስ በለ እቲ ሐዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት እንኳዕ እንዳሃለና ኾነ ዝበለ ተጋዳላይ ሓጎስ ደቀይ ድማ ኣሰረይ ተኸቲሎም ክብሪ ህዝቦምን መንነቶም ከዉሕሱን ብምቅላሶም ሕጉስ እየ ይብል፡፡ብተመሳሳሊ ተጋዳላይ ሓጎስ በየነ እዉን ሰለስተ ደቆም ኣኸቲሎም ፋሽስታዉያንን ወረርትን ሓይልታት ኣብ ምቅላስ ይርከቡ፡፡ ተጋዳላይ ሓጎስ ገ/ሚካኤልን ሓጎስ በየነን ፀላእቲ ከይደምሰስካ ዝረጋገፅ ህልዉና ኮነ ዝመፅእ ሰላም ከም ዘየለ ተረዲእና መላእ ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ከም እምኒ ዓረ ኣጠንኺሩ ኩለመዳያዊ ቓልሱ ከሕይል ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም፡፡

ብህይወት ብርሃነ

Previous articleጉዕዞ ኲናትን ቁጠባዊ ውድቀትን
Next articleዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምንታይ ይሕመስ ኣሎ?