Home ዜና ምሻም ፍሉይ ሉኡኽ እንግሊዝ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ

ምሻም ፍሉይ ሉኡኽ እንግሊዝ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ

1009
0

እንግሊዝ ተኣናፊ ኣብ ዝኾነ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ሓዳሽ ፍልይቲ ልእኽቲ ከምዝሸመት ዕላዊ ገይራ፡፡

ሳራ ሞንትጎሜሪ ሓዳሽ ፍልይቲ ልእኽቲ እንግሊዝ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕርን ኮይነን ከምዝተመረፃ ተገሊፁ፡፡

ብኲናትን ድርቅን ዝሕመስ ዘሎ ቀርኒ ኣፍሪካ ንክረጋጋዕ እንግሊዝ ትኹረት ሂባ እትሰርሐሉ ዓብይ ዛዕባ  ከምዝኾነ ድማ እታ እንግሊዝ ዕላዊ ገይራ ኣላ ፡፡

እንግሊዝ ሓዳሽ ፍልይቲ ልእኽቲ መዚዛ ዘላ ቻይና መራሕቲ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኪባ ምይይጥ ኣብ ትገብረሉ ዘላ እዋን ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

ሓያላት ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምቁፅፃር ካብ ካሊእ እዋን ብዝተፈለየ መልክዑ ፍሉይ ልኡኽ እንትሾማ ምርኣይ ሓዱሽ ፍፃመ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ፡፡

ብገ/ሄር ታደለ

Previous articleፃውዒት ሕብረት ኣውሮፓ ንምፍታሕ ቅልውላው ትግራይ
Next articleህፁፅ ሓገዝ ምሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ድኹዕን ንትግራይ