Home ማሕበራዊ ምቁራፅ ግልጋሎት ምግብና

ምቁራፅ ግልጋሎት ምግብና

869
0

ላዕለዋይ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ንተሓከምቱ ምግቢ ምሃብ ኣቋሪፁ፡፡

ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር 1000 ሕሙማት ደቂሶም ይሕከሙ፡፡ ነዞም ሕሙማት  መዓልታዊ ሰለስተ ግዘ ቀረብ ምግቢ ካብቲ ሆስፒታል ክረኽቡ ፀኒሖም፡፡ ሎሚ ግና ዕፅዋ ጠጠው ኣቢሉ ኣሎ፡፡ ኣይ ተገዛኢ ተስፋይ ድማ ግዳይ እዚ ዓፀባ ኮይኖም ኣለዉ፡፡ ምግቢ ካብዘይረኽቡ 24 ሰዓታት ከምዘቚፀሩ ድማ ገሊፆም።

ዶካትር እውን ኣብ ገዝኦም ዝሰኣንዎ ምግቢ ኣብቲ ሆስፒታል ሓደርቲ ኮይኖም ሓደ ግዘ እኳ ይረኽቡ እንተነበሩ ሕዚ ግና ዕጫ ተሓከምቲ በፂሕዎም ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ውልቆምን ሞይኦምን ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዘስዐበሎም ዶክተር ሊድያ ወልዳይ ገሊፀን፡፡

ዳይሬክተር ምምሕዳር ልምዓት ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣይተ ሙሴ ተስፋይ ንሓደርቲ ዶካትር ሓዊሱ ንልዕሊ 1000 ተሓከምቲ ዝወሃብ ዝነበረ ግልጋሎት ምግቢ ከምዝተቋረፀን ማሕበረሰብ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክኣቱ ብፅሒቱ ክፍፅምን ተላብዮም፡፡

ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ብክልከላ መድሓኒትን ስእነት መሳርሒ ሕክምናን ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ዝግባእ ግልጋሎት ሕክምና ክህብ ፈተና ኮይንዎ ምህላዉ እውን ተገሊፁ፡፡

ብኤፍሬም ረደሀይ

Previous articleግደ ነጋዶ ኣብ ምድሓን ህይወት ወገናት
Next articleሓድነት ህዝቢ ትግራይ