Home ዜና ምቅላዕ ገበን ጀኖሳይድ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ

ምቅላዕ ገበን ጀኖሳይድ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ

858
0

ብምኽንያት መዓልቲ ዓለም-ለኸ ስደተኛታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣምባሳደር ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝኮነ ኣምባሳደር ናቢን ላዲ ብምክንያት ትግራወይቲ ዋዕሮ ካብ መድረኽ ኣቋሪፁ ከምዝወፀ ተገሊፁ፡፡

ቅዱሳን ኣረጋይ ዝተብሃለት ትግራወይቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተዋፊራ ትሰርሕ ዋዕሮ እያ፡፡ ጉጅለ ፋሸስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኣወጆ ኲናት ስዒቡ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተሰዲዳ ብዕቑባ ትነብር ዘላ ብምኽንያት ዓለም ለኸ-መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ጁባ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ዓለም ለኸ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ተረኺባ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞን ዝፍፅሞ ዘሎን ገበን ጀኖሳይድ ኣቃሊዓ እያ፡፡

ትግራወይቲ ዋዕሮ ቅዱሳን ኣረጋዊ ንዓቀብቲ ሰላምን ካልኦትን ተወለድቲ ትግራይ ዑቁባ ክረኽቡን ግዳይ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ከይኾኑ ትሕግዝ ዝነበረት ተቃላሲት ምኳና ብዙሓት ከምዝምስኩሩላ ድማ ካብ ቲኤምኤች ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር፡፡

ብወይኣንተ ቡዙነህ

Previous articleብሰንኪ ክልኸላ ነዳዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ምክፍፋል ኣይከኣልኩን ኢሉ ትካል ምግቢ ዓለም፡፡
Next articleየኢሳያስ ወታደሮች በትግራይ ጀኖሳይድ ጦርነት ውስጥ  መሳተፋቸው  የተባበሩት መንግስታት  የሰብአዊ መብቶች ጉዳይ     አረጋገጠ ፡፡