Home ዜና ምንካይ ሞት ሕንጠያት

ምንካይ ሞት ሕንጠያት

1552
0

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ስእነት ክትትል ጥዕናን ሕፅረት ምግብን ኣዴታት መጠን ወሊድ መዓልቶም ዘይኣኸሉ ሕንጠያት ብ3ተ ዕፅፊ ከምዝወሰኸ ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ክኢላ ገምጋምን ክትትልን ወሊድ ኣይተ ሃይለ ፀጋይ ገሊፆም፡፡

ኣጋጢሙ ዘሎ ወሊድን ሞትን ትሕቲ ክብደት ህፃናት ንምንካይ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብምዕላም ምስ ሰብ ሞያ ጥዕናን ዘተ ተሰኻይዱ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣዴታት ግቡእ ክትትል ወሊድን እኹል ምግብን ብዘይምርኻበን ሞትን ወሊድ ትሕቲ ክብደት ህፃናትን ናብ ዝልዓለ ብርኪ ከምዝበፅሐን እዚ ንምንካይ ድማ ሞያዊ ግቡኦም ከምዝፍፅሙ ገሊፆም ፡፡

ኣተሓባበሪት ጉጅለ ትግበራ ምድሓን ትሕቲ ክብደት ሕንጣያት ወ/ሮ ሓበን ሃይለስላሴ ኣብ ብርክት ዝበላ ሆስፒታላት ብስንኪ ኲናት ሕፅረት በጀትን ናውቲን ጠጠው ኢሉ ዝነበረ ፕሮጀክት ምንካይ ሞትን ወሊድ ትሕቲ ክብደት ህፃናትን ዝነበሩ ክፍተታት ብምንፃር ስራሕቱ ከምዝጀመረ ገሊፀን ፡፡

ኣብ ዩኒሴፍ ኣተሓባበሪ ጥዕና ኣይተ ያይንሼት ገ/ዮሃንስ ሞት ሕንጠያት ንምንካይ ክንክን ኣዴታት ምጥንኻር ከምዘድሊን ነዚ ድማ ዩኒሴፍ ብትኸረት ከምዝሰርሕ ኣረዲኦም፡፡

እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሞትን ትሕቲ ክብደት ወሊድ ሕንጠያትን ንምንካይ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ምስ መቐለ ዩኒቨርስቲ ፣ ኤስ ኤል ኤልን ዩኒሴፍን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም፡፡

#ብበላይ ሽፈራው
Previous articleጠለብ ዘበናዊ እታወታት ሕርሻ ሓረስቶት ማይቅነጣል
Next articleጥሮታና ዘይምርካብና ንጥሜት ተቓሊዕና