Home ዜና ምንፃግ ጥርዓን ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ

ምንፃግ ጥርዓን ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ

ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ካውንስል ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘቅረቦ ጥርዓን ውድቂ ኮይኑ፡፡ ካውንስል ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትማሊ ኣብ ጀኔቭ ኣብ ዘካየዶ ኣኬባ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መሻርክቱን ኣብ ትግራይ ብዘካየድዎ ኲናት ዝፈፀምዎ ገበን ንምፅራይ ዝተጣየሸ ጉጅለ ሰብሞያ ሰብኣዊ መሰል ስርሑ ንምጅማር ዘክእሎ በጀት ንከይምደበሉ ዘቅረቦ ጥርዓን ውድቂ ገይርዎ ኣሎ፡፡ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መሻርክቱን ካውንስል ሰብዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘጣየሾ ጉጅለ ሰብሞያ ስብኣዊ መሰል ከምዘይቅበልን ስራሕ ንምጅማር ዘክእል በጀት ንክይምደበሉ ንዝተፈላለዩ ሃገራት ብድሕሪኡ ብምስላፍ እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ጀኖሳይድ ንምፅራይ ብሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተጠየሸ ጉጅለ ሰብ ሞያታት ስራሕ ንምጅማር ዝሓተቶ በጀት ንከይምደበሉ ብፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መሻርክቱን ዝተፈላለዩ ሽርሕታት ካብ ምእላም ጀምሩ ብዕሊ ጥርዓናት እናቅረበ ፀኒሑ እዩ፡፡ ካውንስል ሰብዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትማሊ ኣብ ጀኔቭ ኣብ ዘካየዶ ኣኬባ ንጥርዓን ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ድምፂ ዝተወሃበሉ እንትኮን በዚ መሰረት ድማ 66 ሃገራት ጥርዓን ናይቲ ፋሽስታዊ ጉጅለ ዝነፀግኦ እንትኮና 27 ሃገራት ነቲ ጥርዓን እንትቅበላ 38 ሃገራት ድማ ድምፂ ተኣቅቦ ብምክያደን እቲ ፋሽስታዊ ጉጅለ ዝቅረቦ ጥርዓን ውድቂ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብ ሰብዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር እቲ ፋሽስት ጉጅለ ታየ ኣፅቀ ስላሴ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ ካውንስል ሰብኣዊ መሰል እቲ ዝተጠየሸ ጉጅለ ሰብ ሞያታት ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ንምስፋሕ ብዘይግቡእ ይጥቀምሉ ኣሎ ዝብል መሰረት ዘይብሉ ጥርዓን ዝቅረበ እንትኮን እዚ ተቀባልነት ብዘይምርካቡ ፈሺሉ ኣሎ፡፡ ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዳይሬክተር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሊዩስ ቻርቦን ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ጀኖሳይድ ተሓታቲ ክህልዎ ከም ዝግባእ ኣባል ሃገራት ሎሚ ንኢትዮጵያ ተሪር መልእከቲ ኣሕሊፈን ኣለዋ ዝበሉ እንትኮን ነቲ ዝተጠየሸ ጉጅለ ሰብሞያ ምትዕንቃፍ ተቀባልነት ከም ዘይብሉ ድማ ገሊፆም፡፡ ሰብኣዊ መስል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ድማ እቲ ምፅራይ ገበን ጀኖሳይድ ብቅልጡፍ ክጅምሮ ከም ዘለዎ ብምሕባር ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድሌት ግዳያት ክነቅድም ይግባእ ድማ ኢሎም ፡፡ ብፅርይቲ ሓረጎት

1349
0
Previous articleምጥንኻር ሓድነት ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን
Next articleሓገዝ ዲያስፖራ ንፅጉማት ነበርቲ ከተማ መቐለ