Home ዜና ምእላይ መፋስስ ሩባ ዛምራ

ምእላይ መፋስስ ሩባ ዛምራ

1280
0

ሓረስቶት ወረዳ ሕንጣሎ ጣብያ ሒዋነ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ዓብይ መፋስስ ሩባ ዛምራ ብምእላይ ግድብ ሽላናት 1፣2ን3ን ብምምላእ ኣብ 2015ዓ/ም ኣብ ልምዓት መስኖ ንምውፋርን በዙይ ኣቢሎም ድማ ምግቢ ውሕስንኦም ንምርግጋፅን ኣብ ምርብራብ ከም ዝርከቡ ገሊፆም፡፡

ሓረስቶት ነበርቲ ወረዳ ሕንጣሎ ጣብያ ሒዋነ እዉን ነዙይ እዮም ዘረጋግፁ፡፡ ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ከምቲ ቅድሚ ሐዚ ዝገብሮ ዝነበረ ስለዘይኣለዮ ኢዶምን እግሮምን ዓፃፂፎም ኮፍ ኣይበሉን፡፡ እኳ ድኣስ ህዝቢ እንተተላዒሉ ዘይሰርሖ ታሪኽ የለን ብምባል ናይ ፅባሕ ብሩህ መፃኢ እንዳማዕደዉ ኣብ ምስራሕ ከም ዝርከቡ እዮም ዝዛረቡ፡፡

ስለ ዝኾነ ድማ ይብሉ እቶም ሓረስቶት ዓብይ መፋስስ ሩባ ዛምራ ብምእላይ ግድብ ሸላናት 1፣ 2ን 3ን ብምምላእ ኣብ 2015 ዓ.ም ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ብምጥንኻር ንምርግጋፅ ዓርሰ ምርኮሰኦምን በዙይ ኣቢሎም ድማ ካብ ተፀባይነትን ተመፅዋትነትን ንምልቓቕ ቅድመ ኩነታት ይውግኑ ከም ዘለዉ ኣረዲኦም፡፡

ኣብ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኪኢላ መፋስስ ማይ ኣይተ ይርጋ ተኽሉ እቲ ቢሮ በቢዓመቱ ብኣማኢት ኣሽሓት በጅቱ ስራሕቲ ምእላይ እንዳሳለጠ ከም ዝፀንሐን ይኹን እምበር ሎሚ ዓመት በቲ ዘሎ ዕፅዋ ምኽንያት መንግስቲ እዙይ ክገብር ስለ ዘይካአለ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ብምልዕዓልን ሞያዊ ድጋፍ ብምግባር ዕዉት ስራሕ ከም ዝተሳለጠ ሓቢሮም፡፡

ዓብይ መፋስስ ሩባ ዛምራ ብምእላይ ሰለስቲኦም ግድባት እንተመሊኦም ኣስታት ክልተ ሚኢቲ ሄክታር መሬት ምልማዕ ከም ዝከኣልን በዙይ ድማ ልዕሊ 7ሚኢቲ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ክገብር ከም ዝኽእል ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ፡፡  

ብህይወት ብርሃነ

Previous articleብደገን ውሽጥን ዝተወጠረ ተስፋ ሰላም
Next articleመግለፂ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ