Home ዜና ምክልኻል ብርሰት ደኒ

ምክልኻል ብርሰት ደኒ

780
0

—-                    

ህዝቢ #ትግራይ ብፀላእቲ ዝተኸፈቶ ምፅናት ዓሌትን ንዚ ንምምካት ብዘካይዶ ዘሎ ደማዊ ኲናትን ተበሊፆም ዘይሕጋውያን ውለቀ ሰባት ንውልቀ ረብሕኦም ክብሉ ዉፅኢት ልምዓት ተመዝጊብሉ ዝነበረ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ምብራስ ከምዝርከቡ ምምሕዳር ወረዳ ራያ-ዓዘቦ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ወረዳ ራያ-ዓዘቦ ብሓፈሻ ድማ  ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ብርሰት ደኒ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ከምዝበፅሐን ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ንዘሎ ቃልሲ ምርግጋፅ ሃለዋትን ድሕንነትን ድማ ቀንዲ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ኣመሓዳሪ ወረዳ ራያ-ዓዘቦ ኣይተ ሓየሎም ረዳኢ ምስ ኣመራርሓ፣ ሰብ ሞያ ሕርሻን መድረግቲ ኣካላትን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ምክልኻል ደኒ ሓቢሮም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ወገኖም ኣብቲ ወረዳ ኣጋጢሙ ዘሎ ብርሰት ደኒ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ከምዝበፅሐን ብኣንፃሩ ድማ ሕብረተሰብ ይኹን ዝምልከቶም ኣካላት ነዚ ንምክልኻል ዝገብርዎ ፃዕሪ ኣዝዩ ትሑት ከምዝኾነ ብምግላፅ ነዙይ ንምቕያር ከምዝሰርሑ ሓቢሮም፡፡

እቲ ዝፍፀም ዘሎ ብርሰት ደኒ ዉራይ ኩሉ ሕብረተሰብ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ሓላፊ ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ራያ-ዓዘቦ ኣይተ ባራኪ ሃፍቱ ብወገኖም ምስ ሕብረተሰብ ብምዉዳድ ኣብ ምምካት ፀላኢ ዝግበር ዘሎ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ኣብ ምሕዋይ ደኒ እዉን ብተመሳሳሊ ክንፍፅሞ ይግባእ ኢሎም፡፡

ብርሰት ደኒ ዝፍፅሙ ኣካላት ካብቲ ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ምፅናት ዘርኢ ፈሊኻ ዘይርአ ከምዝኾነን ኣብዚ ኽፉእ ተግባር ዝተዋፈሩ ውልቀ ሰባት ካብ ተግባሮም ክዕቀቡ ከምዝግባእን ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ድማ ኣብ ምክልኻል ብርሰት ደኒ ግድኡ ክዋፃእ ተሓቢሩ፡፡

ብኣስናቀ መሓመድ

Previous articleልምዓት ጎልጎል ራያ
Next articleደሃይ ውላዶም ዝሰኣኑ ወለዲ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ