Home ማሕበራዊ ምክልኻል ዓፀባ

ምክልኻል ዓፀባ

996
0

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ዕፅዋን ክባን ንምክልካል ኣካል መፍትሒ ፀገም ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ስራሕቲ መስኖ ዘለካ መሬትን ጠብታ ማይን ኣብ ረብሓ ብምውዓል ኣሕምልቲ ገደና ብምልማዕ ኩሉ ክጥቀመሉ ከምዘለዎ ኣብ ልምዓት መስኖ ዝተዋፈሩ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣይተ ገ/ሄርን ኣይተ ሃ/ስላሴ ገ/ትንሳኤን ገሊፆም፡፡

ነዳድን መዳበርያን ብምዕፃው ህዝቢ ትግራይ ከንብርክኽ ዝመፀ ፀላኢ ንምሕፋር ኩሉ ሕብረተሰብ ስራሕቲ መስኖን ዱኽዕን ተጠቂሙ ዘላቶ መሬት ብምልማዕ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓፀባ ክከላኸሎ ከምዝግባእ ኣሚኖም ፡፡ ብኲናት ከምበርክኽዎ ዘይከኣሉ ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ክምብርከኹ ላሕ ይብሉ ንዘለዉ ፀላእቲ ሓሳቦምን ተግባሮምን ብምፍሻል መደርበይ ጓሓፍ ዝነበረ ሩባ ገረብ ፀዶ ክለምዕን ብምግባር ሕብረተሰብ ይርበሐሉ ከምዘሎ ነበርቲ ከተማ መቀለ ገሊፆም፡፡

ትግራይ ክትጠፍእን መሊሳ ከይትልዓልን ዝገብርዎ ዘለዉ ተግባርን ድልየትን ፀላእቲ ንምምካት ገጢምና ዘሎ ጥሜትን ዓፀባን ብፅፍርናን ፃዕርናን ብምፍሻል ብብሩህ ተስፋ ዝተኾለዐት ትግራይ ንምፍጣርን ስራሕቲ መስኖ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ከም ዝግባእ እቶም ወገናት ሓቢሮም፡፡

ብፋና ሊላይ

Previous articleደረት ኣልቦ ግፍዒ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ
Next article“በዓል ቤተይ ብዕስለ ከም ዝተዓመፅኩ ምስ ነገርክዎ ከም ዝፈትሓኒ ነግሩኒ”ኣብ መንበሪ ገዝኣ ብዕስለ ዝተዓመፀት ንእስቲ