Home ዜና ምኹላፍ ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ዓፋር

ምኹላፍ ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ዓፋር

835
0

ብሰንኪ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መሻርክቱን ህዝቢ ዓፋር ብቓልሱ ዘረጋገፆም ብሄራዊ ረብሓታቱ ከምዝተሓደገ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፌዴራሊስት ሓይሊ ዓፋር ተጋዳላይ ያዮ ዋሊሕ ገሊፁ፡፡

ተጋዳላይ ያዮ ዋሊሕ ከምዝገለፅዎ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መሻርክቱን  ብዝፈጠርዎ ሃገራዊ ክሕደት ምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ብዓወት 20 ግንቦት ዝተረጋገፁ ፀጋታት ልምዓት ክዓንዉን ከምዘይነበሩ ክኾኑን ከምዝገበረን ነዙይ ፋሽስታዊ ስርዓት ንምድምሳስ ኩሎም ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝተዋደደ ቃልሲ ክገብሩ ፀዊዑ፡፡     

ህዝቢ ዓፋር ስርዓት ደርጊ ንምድምሳስ ብዘካየዶ ቃልስን ዘመዝገቦ ዓወትን  ፍረ ቃልሱ ዝኾኑ ብርክት ዝበሉ ዉፅኢታት ልምዓት ኣብ ዝሓለፉ 27 ናይ ልምዓት ዓመታት ከምዘመዝገበን ዝተረጋግዐ ናብራ ይመርሕ ከምዝነበረ ተጋዳላይ ያዮ ዋሊሕ ኣረዲኡ፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ተለኣኣኺኡ ኣወል ዓርባን  ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ናብዚ ግና ህዝቢ ዓፋር ኩሎም ብሄራዊ ረብሓታቱ ስኢኑ ኣብ ትሕቲ ኣሃዳውያን ሓይልታት ወዲቑ ኣሎ ኢሉ ተጋዳላይ ያዮ ዋሊሕ፡፡

ከም ፌዴራሊስት ሓይሊ ዓፋር ምስ ህዝብን መንግስትን ትግራይን ካልኦት ህዝብታትን ንወፅዓን ኣንፃር ፋሽስትን ዝቃለሱ ሓይልታት ግንባር ፈጢርና ንቃለስ ኣለና ዝበለ ተጋዳላይ ያዮ ዋሊሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ በደልን ግፍዕን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋርን ካልኦት ህዝብታትን ዘይፍፀመሉ ምኽንያት ስለዘየለ ኩሎም ብሄር-ብሄረሰባት ህዝብታትን ኢትዮጵያ ምእንተ ህላዉኦም ምሳና ተዋዲዶም ክቃለሱ ይግባእ ክብሉ ምልእኽቶም ኣመሓላሊፈም፡፡

ንዘመናት ዝፀንሐ ርክብ ህዝብታት ዓፋርን ትግራይን ንምብጣስ ብዕሱብ ጉጅለ ኣወል ዓርባ ዝግበር ዘሎ ሽርሒ ብቃልሲ ህዝብታት ከምዝመክን እዉን ተጋዳላይ ያዮ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

ብኣሸናፊ ዳርጌ

Previous articleመግለፂ ሰናይ ትምኒት ፕረዚዳንት ትግራይዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል
Next articleብደም ህዝቢ ትግራይ ዘባጭዉ ደመኛታት