Home ዜና ምኽልካል ሰብኣዊ ሓገዝ

ምኽልካል ሰብኣዊ ሓገዝ

1121
0

ልዕሊ 6.5 ሚልየን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ጥሜትን ዓፀባን ከም ዝርከብን ልዕሊ 6.5 ሚልየን ኩንታል ስርናይ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮን ክሳብ ሐዚ ዝኣቱ ዘሎ ሓገዝ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ክወሃብ ዝነበረ ምዃኑን እዚ ድማ ተግባራውነት ዘይብሉ ከም ዝኾነ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቡ ተዛሪቦም።

ህዝቢ ትግራይ ብክባን ዕፅዋን ፋሽስታውያን ንቅሉዕ ፅንተት ዘርኢ ተሳጢሑ ከም ዝርከብ ዝገለፁ ዶ/ር ኣትንኩት 69 ሚኢታዊ ሓራሳትን ነብሰፁራትን ኣዴታት  ንዝኸፍአ ሕፅረት  ምግቢ ተቓሊዐን ከም ዝርከባን ልዕሊ 27 ሚኢታዊ ህፃናት ድማ ንግዱድ ጥሜት ተሳጢሖም ኣለው ኢሎም።

እቲ ክሳብ ሐዚ ዝኣተወ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ብስእነት ነዳዲ ናብ ዝተፀገሙ ክፋላት ሕ/ሰብ ክበፅሕ ከም ዘይከኣለን ኣብ ከተማ መቐለ ተኸዚኑ ከም ዘሎን ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ዝቕፅል ዘሎ ገበን ጀኖሳይድ ማሕበረሰብ ዓለም ቅልጡፍ ፍታሕ ክገብረሉ ዲያስፖራ ትግራይ ቃልሶም ከሐይሉ ከም ዝግባእ ድማ ዶ/ር ኣትንኩት ፀዊዖም።

ብሃፍታይ ባህረ

Previous articleሕገ-መንግስታዊ ልዝብ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ
Next article“ዝፀዓርክሉ ፍረ እናራኣኹ ናይ ፅባሕ  ጉዕዞይ ብሩህ እዩ”  ሓረስታይ ትግራይ