Home ዜና ምውፃእ ሰራዊት ኢሳያስ ንውፅኢታዊ ዘተ ሰላም

ምውፃእ ሰራዊት ኢሳያስ ንውፅኢታዊ ዘተ ሰላም

862
0

ንውፅኢታዊነት ዘተ ሰላም ትግራይን ኢትዮጵያን ምውፃእ ሰራዊት ኢሳያስ ወሳኒ ኢዩ ከምዝኮነ ፓርላማ እንግሊዝ ኣፍሊጡ፡፡ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ውፅኢታዊ ንክኸውን፤ ሰራዊት ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጠቕሊሉ ካብ ኢትዮጵያ ክወፅእን ኣብ ትግራይ ክፍፀም ዝፀንሐ ፆታዊ ዓመፅን ጥሜትን ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም ደው ክብልን ፓርላማ እንግሊዝ ፀዊዑ፡፡ኣብ መንጎ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ተበፂሑ ዘሎ ኲናት ብዘተ ሰላም ናይ ምፍታሕ ስምምዕነት ኣድናቖቶም ዝገለፁ ተወከልቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እንግሊዝ፤ ኣብቲ ጥቅምቲ 6/2015 ዓ.ም ብፓርላማ እንግሊዝ ቆፀሮ ተታሒዝሉ ዘሎ ርእሰ ዛዕባታት መብርሂ ሂቡ፡፡

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ዕጡቓት ኣምሓራን ዕሱብ ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከበድቲ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣዊነትን ምፍፃሞም ዝጠቐሰ መግለፂ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እንግሊዝ፤ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕት ሰላም ውፅኢታዊ ክኾኑሎም ዝኽእሉ ማመረፂታት ኣመላኺቱ እዩ፡፡ብተወካሊ ሌበር ፓርቲ ረቒቑ ብመንግስቲ እንግሊዝ ክፀድቕ ተዳሊዩ ዘሎ ሰነድ፤ ተግባራዊነት ስምምዕነት ፕሪቶርያን ኣድለይቲ ቅድመ ምድላውን፣ ክትትልን ደገፍን ተኹሲ ደው ምባልን ምውፃእ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይን ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎም ኣብ መደምደምታ ከም ዝብፀሐሎም ኣሚቱ ፡፡

ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም፤ ኲናት ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍታሕ ብምዃኑ መንግስቲ እንግሊዝ ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ዝሓበሩ ምክትል ሚኒስቴር ወፃኢ ጉዳያትን ሓበራዊ ፍትሕን ኣንድሬው ሚካኤል፤ እቲ ስምምዕነት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምብፃሕን ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ብምምላስን ምስ ዝጅመር፤ መንግስቶም ምስ ስርዓት ኣዲስ ኣበባን መንግስቲ ትግራይን ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ገሊፆም፡፡ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዘሎ 13 ሚልዮን ተፀባይ ሓገዝ ውሽጢ፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ 5 ነጥቢ 4 ሚልዮን ህዝቢ ተፀባይ ህፁፅ ሓገዝ ምዃኑ ዘማላኸቱ ምክትል ሚኒስቴር ወፃኢ ጉዳይን ሓበራዊ ሃፍቲን እንግሊዝ፤ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ትግራይ ዘዋፈሮም ሰራዊቱ ብምውፃእ ክተሓባበር ፀዊዖም፡፡

ስርዓት ኣዲስ ኣበባን መሻርኽቱን፤ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ፆታዊ ዓመፅ፣ ጥሜትን ምፍንቓልን ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀምሉን ብትልሚ ይመርሐሉን ምንባሮም፤ ሪፖርትታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ዓለም ለኸ ትካላትን ተደጋጊሞም ክወፁ ምፅንሖምን እዚ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ መዕለቢ ክርክበሉ ምግባርን ጠቓሚ ምዃኑ ዝጠቐሰ ናብ ፓርላማ እንግሊዝ ክቐርብ ተዳሊዩ ዘሎ ሰነድ፤ ድሕሪ እቲ ስምምዕነት እውን ንህዝቢ ትግራይ ዝቐረበ ሓገዝ ዘይምህላዉ ኣመላኺቱ፡፡

ኣባል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እንግሊዝ ዳቪድ ኣልቶን ኣብ ዙርያ እቲ ዝተዳለወ ሰነድ ዘለዎም ድጋፍ ብምግላፅ ኣብ ትዊተር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሰሉስ ሕዳር 6/2015 ዓ.ም ኣብ ዝህሉ ውዕሎ ፓርላማ ኣብ ምሕላፍ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ምምላስ ኣገልግሎታትን ምውፃእ ሰራዊት ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ብምዝታይ፤ ኣብ ልዕሊ ወራሪ ስርዓት ውልቀ መላኪ ኢሳያስ መምሃሪ ስጉምቲ ክመሓላለፍ ፃዕሪ ከም ዝገብሩ ጠቒሶም፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleሰነድ ስምምዕነት ዘተ ብዝምልከት መግለፂ ቅዋም ህወሓት
Next articleፍትሒ ዝፅበያ ፆታዊ ጥቕዓት ዘጋጠመን ደቂኣነስትዮ