Home ዜና “ምዕብልቲ፣ እትፍራሕ፣ እትኽበር፣ ሰላማ ዘረጋገፀት፣ ንተጋሩ ምችውቲ ዝኾነት ትግራይ ክርእይ ዘይምነ ዓባይ...

“ምዕብልቲ፣ እትፍራሕ፣ እትኽበር፣ ሰላማ ዘረጋገፀት፣ ንተጋሩ ምችውቲ ዝኾነት ትግራይ ክርእይ ዘይምነ ዓባይ ትግራዋይ የለን፤ እዚ ኩላትና እንብህጎ እዩ፡፡”

ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት)፣ ኣብ ክብርታት ተጋሩ ዘድሃበ ዋዕላ ኣሳሊጣ፡፡ ማሕበር ልምዓት ትግራይ “ክብርታትና መሰረት ዓወታትናን ውሑስ መፃኢናን” ብዝብል ቴማ ብዛዕባ ክብርታት ተጋሩን ትግራዋይነትን ዘድሃበ ዋዕላ ጋዜጠኛታት፣ ደረስቲ፣ ከየንቲ ዝተሳተፍሉ መድረኽ ዘተ ኣካይዳ፡፡ ተወካሊ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር ማልት፣ ኣብ 1981 ዓ.ም ክትምስረት እንተላ ህዝቢ ትግራይ ተፈጥሮኣዊ ድርቅን ማህሰይቲ ኲናትን እናተፈራረቕዎ ኣብ ከቢድ ኩነታት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፤ ብሓደ ወገን ነቲ ሓራ መሬት ዝነበረ ምንቅስቓስ ንምድጋፍ፣ በቲ ካልእ ወገን ድማ እቲ ሽዑ ዝነበረ ቃልሲ ንምግሃድ ተጋሩ ተወዲቦም ብፍልጠቶም፣ ክእለቶምን ንዋቶምን ትግራይ ንከልምዑ ንክተተሓባብር ሽዑ ዝነበሩን ዝመስረቱን ከምኡ እውን ሐዚ ተቐቢሉ ዘቐፅሎ ዘሎ ወለዶ ብምዃን ናይ ሓባር መድረኽ ከምዝተሳለጠ ሓቢሮም፡፡ ዕላማ ማልት ዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንክረጋገፅን ትግራይ ኣብ ዝለዓለ ብራኸ ንክትበፅሕን ምስራሕ እዩ ዝበሉ ኣይተ ተስፋይ፣ እዚ ንምትግባር ድማ ብኩለ መዳይ ተወዳዳራይን ሰዓራይን ትግራዋይ ብምፍራይ ከምዝረጋገፅ ኣስሚሮምሉ ኣለዉ፡፡ ትግራይ፣ ብደረጃ ምርምርን ኢንቨስትመንትን ኣብ መድረኽ ዓለም ተወዳዳራይ ብምዃን ኣብ ዝሐሸ ምዕራፍ በፂሓ ነይራ፡፡ ኮይኑ ግና ፀላእትና ኩነታት ኣመቻችዮም ዝሃነፅናዮ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ፣ ታሪኽናን ቅርስናን ብምዕናዉ ኣብ ናይ ህልውና ሓደጋ ዝወደቕናሉ መድረኽ ኢና ዘለና፡፡ ኣብ መዋእልና ዘጋጠሙና ፀገማት ብሓደ ወገን ንኣለሻ መንነት፣ ብካልእ ወገን ድማ ንሓለዋ መንነት ዝግበር ቃልሲ እዩ፡፡ ሐዚ እውን ንሱ እዩ ዝግበር ዘሎ፡፡ ትማሊ ወለዶታት ትግራይ ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ንሓርነትን ሓለዋ መንነትን እዩ፡፡ ሎሚ እንኸፍሎ ዘለና ዋጋ እውን ንሓርነትን ሓለዋ መንነትን እዩ፡፡ ፅባሕ ክገጥመና ዝኽእል እውን ንሱ እዩ፡፡ ይኹን እምበር እቲ ትማሊ ዝገጥመና ዝነበረን ሐዚ ገጢሙና ዘሎን ሓደጋ ካብ ድሕሪ ሐዚ ክገጥመና ስለዘይንብህግን ብስሩ እውን ስለዘይግብኦን ሎሚ ክነውሕስ ፅባሕና ክነበርኽ ክንመያየጥ ግድን ከምዝኾነ ኣይተ ተስፋይ ገሊፆም፡፡ እቲ ዝነበረና ባህጊ ፀላእትና ምቕባር እዩ ዝበሉ ኣይተ ተስፋይ፤ “ፀላእትና ኣብ ግንባር ንቐብሮም ነይርና፡፡ ይኹን እምበር እቶም ኣብ ግንባር ዝቐበርናዮም ፀላእትና ፀኒሖም ናብ ቤተ ክርስትያን፣ ትካላት ሚድያ፣ ኪነ-ጥበብን ስነ- ፅሑፍን ይምለሱ፡፡ ኣብኡ ኾይኖም የጓሃህሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ንሕና ሃገር ሰላም ኣላ እናበልና ናብቲ ሐዚ ገጢሙና ዘሎ ሓደጋ ህልውና ኣቲና” ኢሎም፡፡ ስለዚ ነዚ እንኮ መፍትሕኡ ፀላእትና ንሓንሳብን መወዳእታን ምቕባር ንሕና ብርኽ ምባልን ኣንቃዕሪሮም ክርእዩና ምግባርን እዩ መፍትሒኡ ብምባል ብራኸ ትግራይ ኣበይ ይኹን? ዝብል ግና ናይ ኩሉ ዛዕባ ብምዃኑ ፡፡ኣብዚ ጉዳይ ንምዝታይ መድረኽ ክህልው ይግባእ፡፡ እዚ ንምግባር ድማ ማልት ሓድነት ተጋሩ ክተስምር ዝተጣየሸት ማሕበር ስለዝኾነት “ሀ” ኢላ ጀሚራቶ ከምዘለናን ኣጠናኺራ ከምእትቕፅለሉን ኣይተ ተስፋይ ኣረዲኦም፡፡ ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክር ማልት ኣይተ ተስፋሁነይ ሃይለማርያም ብወገኖም፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን “ምዕብልቲ፣ እትፍራሕ፣ እትኽበር፣ ሰላማ ዘረጋገፀት፣ ንተጋሩ ምችውቲ ዝኾነት ትግራይ ክርእይ ዘይምነ ዓባይ ትግራዋይ የለን፤ እዚ ኩላትና እንብህጎ እዩ፡፡” ምስበሉ፣ ቀንዲ ዕላማ እዚ መድረኽ እውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምዝታይ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡ ስለዚ እቲ ትግራዋይ ዝደልዮን ዝብህጎን ግሁድ ንምግባር ብድፍረት ኣቲኻ ምዝታይ ወሳኒ ከምዝኾነ፣ ምእንቲ እዚ ድማ ማልት ጀሚራቶ ከምዘላን ኩሉ ኣጠናኺሩ ከቐፅሎ ከምዘለዎን ኣይተ ተስፋሁነይ ተላብዮም፡፡ “ትንሳኤ ማሕበረሰብ ትግራይ” ብዝብል ርእሲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣይተ ነጮ ኣባይ፣ ትግራይ ብዘላቕነት ንክትስዕር ባህጊ መሰረት ዝገበረ ተጋድሎ ምግባር ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡ “ተጋሩ ተመራመርቲ ነይርና፤ ስርዓተ መንግስቲ ዝነበረና ኢና፤ ዓበይቲ ፍልስፍናታት ነይሮምና፤ ኣብ ዝለዓለ ብራኸን ስልጣነን በፂሕና ነይርና፤ ዝበሉ ኣይተ ነጮ፣ በብእዋኑ ዝነበሩ ፀላእትና ንድሕሪት ከምዝመለሱና ኣዘኻኺሮም፡፡ እዞም ፀላእቲ ሃይማኖት ጉልባብ ገይሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማህሰይቲ ኣብፂሖም፡፡ ታሪኻዊ መፅሓፍትና ጓሕጊሖም ሰሪቖምዎ፡፡ ኣብ ባህሊ ስራሕ ትግራዋይ ኣሉታዊ ፅልዋ ኣሕዲሮም፡፡ እዞም ፀላእቲ ዘገድሶም ታሪኽን መንነትን ትግራይ ምምንጣል ጥራሕ እዩ ዝበሉ ኣይተ ነጮ ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ሱቕ ኢሉ ዘይምንጠል ህዝቢ ስለዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት “ጀኖሳይድ” እናፈፀሙ ሰፍ ዘይብል ግፍዕን ጨፍጫፍን እናብፀሕሉ ከምዝመፁን ሐዚ እውን ይቕፅልሉ ከምዘለዉን ኣይተ ነጮ ኣረዲኦም፡፡ ናይዚ ዘላቒ መፍትሒ ድማ ይብሉ ኣይተ ነጮ፣ ትግራይ ዓርሰ ውሳነኣ ዘረጋገፀት፣ ማንም ሓይሊ ዘይምንጥላ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ዘለዋ፣ ናይ ምድርዳር ዓቕሚ ዝወነነት፣ ኣብናይ ዓለም ሕጊ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዘለዋ፣ ንተፈጥሮኣውን ሰብ ሰራሕን ተፀብኦታት ብኣግኡ እተምክን፣ ፀጋታታ ናብ ረብሓ እትቕይር፣ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ዘለዋ፣ ኣብ ዓለም ተወዳዲራ ክተሸንፍ እትኽእል ሓያልን ዘይትድፈርን ክትኸውን ከምዘለዋ ኣገንዚቦም ክብል ወይን ፀብፂቡ።

1233
0
Previous article“እቲ ቀይሕ መስመር ኣብ ሓፂር እዋን በቲኽና ናይ ግድን ክንዕወት ኢና” – ዋዕሮታት ተጋደልቲ
Next article“ኣብቲ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ‘መሰል ርእሰ ውሳነና’ ናብ ድርድር ክቐርብ ፍፁም ኣይንፈቅድን!