Home ሕርሻ ምዝማን ናውቲ ሕርሻ

ምዝማን ናውቲ ሕርሻ

1170
0

ትካል ዋልታ ኢንጅነሪንግን ትሬዲንግን ንስራሕቲ ሕርሻ ሰለጤን ዘለዎምን ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓፀባ ዘቃልሉን ዝተመሓየሹ ናውቲ ሕርሻ ብምምሃዝ ሓረስቶት ተረባሕቲ ንምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ ፡፡

ሰራዊት ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሓረስታይ ትግራይ ሓርሱ ምህርቱ ከየምርትን ብጥሜት ሰንሰን ኢሉ ክመውትን ዓሊሞም ንሕርሻ ዝግልገሉ ኣብዕሩ ሓሪዶምን ንሕርሻ ዝጥቀመሉ መሳርዕ ጠቢሶም በልዖምዎ እዮም፡፡

እቲ ዝተረፈ ጥሪትን ናውቲ ሕርሻን እውን ክዝረፍን ክቃፀልን ተገይሮም እዮም፤ ይኹን እምበር ብእኩይ ተግባር ፀላእቲ ዘይስኮን ህዝቢ ትግራይ ብዘለዎ ክእለትን ብቕዓትን ተጠቂሙ ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ይረባረብ አሎ፡፡ ኣካል እዚ ዝኾነ ትካል ዋልታ ኢንጅነሪንግን ትሬዲንግን ንስራሕቲ ሕርሻ ሰለጤን ዘለዎምን ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓፀባ ዘቃልሉን ዝተመሓየሹ ናውቲ ሕርሻ ብምምሃዝ ሓረስቶት ትግራይ ተረባሕቲ ንምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ በዓል ዋና እቲ ትካል ኣይተ ኣፅብሃ ገ/ኣብዝጊ ገሊፆም ፡፡  

ካብ መሓዝቲ እቲ ናውቲ ሓደ ዝኾነ መካኒካል ኢንጅነር ኣብርሃ መረሳ ብወገኑ እቲ ዝተምሓየሸ ናውቲ ሕርሻ ካብ ሓፂን ዝተሰርሐ ብምኻኑ ዝሐሸ ሰለጤንን ግልጋሎትን ከምዘለዎ ተዛሪቡ፡፡

እቶም መሃዝቲ እቲ ዝጀመርዎ ስራሕቲ ምህዞታት ናውቲ ሕርሻ ብቐፃልነት ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ብምግላፅ ካልኦት መሃዝቲ እውን ትግራይን ህዝባን ካብ ፀገም ንምድሓንን እግሪ ንምትካልን ኩሉ ክረባረብ ከምዝግባእ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ፡፡   

ተረባሒ እቲ ምህዞ ኣይተ ሃይለስላሴ ሓጎስ ብወገኖም እቲ ናውቲ ሕርሻ ኣብ ስራሕቶም ሰለጤን ከምዝፈጠረሎም ሓቢሮም ፡፡

ብበላይ ሽፈራው

Previous articleፋሽስቱ የአብይ ቡድን አሁንም ሰብአዊ እርዳታ ወደ ትግራይ ያለ ምንም ቅድመ ኔታ እንዳይገባ እንቅፋት መሆኑ ተገለፀ፡፡
Next articleዝርገሐ ዝናብ ኣብ ትግራይ