Home ዜና ምድራዊ ሲኦልን ሰብኣዊ ሓልዮትን

ምድራዊ ሲኦልን ሰብኣዊ ሓልዮትን

1273
0
ሽኸት

ኣብ ሓደ ፀሓይ ዝነገሰላ ከተማ ሽኸት (ኣብዓላ) ሪፓርታዥ ጋዜጣ ወይን

ኣብ ከተማ ሽኸት/ ኣብዓላ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ካብ 10 ክሳብ 12 ታሕሳስ 2014 ዓ/ም ዝተፈፀመ ፋሽሽታዊ ትግራዋይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ግዳይ ምፅናትን ዘይዛረየ መከራን ንምግባር ዝዓለመ ከምዝነበረ ግዳያት ገሊፆም። ከውሊ እቶም ግዳያት ዝኾኑ ተወለድቲ ዓፋር ብግዲኦም፣ እዚ ፍፃመ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዓፋርን ትግራይን ደምነት ንምትካል ዝተወጠነ ሽርሒ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ግዳያት ናይቲ ግፍዒ ካብ ዝኾኑ ትግራዎት ሓዲኡ ዝኾነ መምህር ገብረተኽለ ግደይ ከምዝገለፆ፣ ልዕሊ 10 ዝኾኑ ዕጡቓት ልኡዃት ሓይሊ ትምክሕቲ ኣምሓራ ሓደ ግዘ ካብ ገዝኡ ናብታ ዘምህረላ ቤት ትምህርቲ ብምውሳድ ብበትሪ መንበስብስቱ ድሓር ድማ ናብ ገዝኡ መሊሶም ከምዝቐጥቐጥዎ ይገልፅ። መወዳእትኡ ክቐትልዎ ንዝደለዩ ትግራዋይ ናብ ዝቐትልሉ ዝነበሩ ጉድጓድ ብምውሳድ ምስብፅሕቲ ወርሒ በዓልቲ ገዝኡ ሓዊሶም ብጥይት ክደፍእዎም እንትህንደዱ ኣብኡ ካብ ዝፀንሑ ነባሪ ከተማ ሽኸት ዝኾነን ካብ ወዱ ዘምህሩ መምህራን ሓደ ምዃኑ ዘስተብሃለን ነቶም ዕጡቋት “ተውት! ይህ ሰው ኣማራ ነው” ኢሉ ኣድሒንዎ።
ብድሕሪኡ ንኣስታት 36 መዓልቲ ከምቲ ካልእ ትግራዋይ ብፅሕቲ ወርሒ ነብሰፁር በዓልቲ ቤቱን ኣርባዕተ ደቁን ሒዙ ገዛ ንገዛ ዓፋረቶት ከርተት እናበለን እናተሓብአን ከምዘሕለፎ ዝሕብር መምህር ገብረተኽለ ሓደ መዓልቲ በዓልቲ ቤቱ ብኸቢድ ሓሚማ ከሕክማ ኣብ ዝፈተነሉ ግዘ ኣብ ኢድ ዕጡቋት ከምዝኣተወ ተዛሪቡ። ብእሱር ናብ ከተማ ሰመራ እትውሰድ ድማ ብቐረባ ዝፈልጦን ካቤኔ ከተማ ሽኸት ዝነበረ ዓፋረታይን ስለዝረአዮ ከምዘድሐኖ ይገልፅ። ድሕሪ እዚ ጅምላ መቓብራት ትግራዋይ እናተሳገረ ህይወቱን ህይወት ደቁን ናብ ዘድሕነላ ከተማ ኵሓ ከምዝመፀ ዝሕብር መምህር ገብረተኽለ ዋላ ድኣ ካብ ሞት ይትረፍ እምበር ብዝበፅሖ መግረፍቲ ኣብ ርእሱን ሕቚኡን ዝስመዖ ብርቱዕ ቃንዛ ከም ዘሎ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብርሃን ዓይኑ ዝጋርዶ ከቢድ ጉድኣት ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ስሞም ክገልፁ ዘይደለዩ ኣብ መዕቖቢ ተፈናቐልቲ ኣፅሊሎም ዝርከቡ ወዲ 56 ዓመት ወላዲ ብግዲኦም፥ ፈለማ ቅድሚ ጨፍጫፍ ሽኸት ምጅማሩ ዝነበረ ምንቅስቓስ ግፍዐኛታት ከም ነባሪ ይከታተልዎ ከምዝነበሩ ይገልፁ። ካብዚ ሓደ፥ ዕሱባት ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንልኡኻት ኣወል ኣርባ ዝኾኑ ነበርቲ ሽኸት ናብ በራሕለ ብምውሳድ ኣሰልጢኖም በቢቀበሊኡ እንትብትንዎም ሰለስተ ግዜ ብረት ከምዘዕጠቕዎም ምስክርነቶም ሂቦም። እቲ ኩነታት ምስተፈጥረ እቶም ወላዲ በዓልቲ ገዝኦም ምስ ኣርባዕተ ርእሰን ሰበይቲ ወዶም ጓል ሸውዓተ ወርሒ ዕሸል ሒዛ ንሰመራ ከምዝተወስደኦም ብምግላፅ ንባዕሎም ግን ብጥይት ክልተ ግዘ ብዕጡቋት ከምዝተስሓቱ ይገልፁ። ከምኡ ድማ “ብረት ኣምፅእ” ተባሂሎም ከምዝተገላትዑን ኣብ መወዳእታ ከምውላዶም ዘዕበይዎ ተወላዲ ዓፋር ናብ እንዳሓው ኣብኡ ወሲዱ ምስ ካልእት 60 ትግራዎት ሓዊሱ ካብ ኢድ ግፍዐኛታት ከምዘድሓኖም ይዛረቡ። ድሕሪ እዚ ገዛ ዓፋረቶት እናፈተሽካ ትግራዋይ ፈሊኻ ምቕታል ስለዝተጀመረ ብለይቲ ብእግሪ ንወጀራት ከምዝሃደሙን ኣብ ዓዲ ጉደም ምስበፅሑ ድማ ሓይልታት ፌዴራሊስት ዓፋር ረኺቦም ናብ ከተማ ኵሓ ናብ ዝርከብ መፅለሊ ተፈናቐልቲ ከምዘምፅእዎም እቶም ወላዲ ኣረዲኦም።
ሰብኣያ ዝተቐትላ ሰሚራ መሓመድ ብወገና ብኣዲኣ ትግራወይቲ፣ ብኣቦኣ ድማ ዓፋረታይ እንትትኾን በዓልቲ ሓዳርን ኣዶ ሰለስተ ቆልዑን ከምዝኾነት ትሕብር። ሰሚራ ብዛዕባ ጨፍጫፍ ሽኸት እንትትገልፅ፣ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ብዕሊ ጨፍጫፍ ቅድሚ ምጅማሩ ካብ ወርሒ መስከረም 2014 ዓ/ም ኣትሒዙ ንዝኾነ ሰላማዊ ትግራዋይ “ጁንታ” እናበልካ ምሽቑራር ገኒኑ ይርአ ከምዝነበረ ትዛረብ። ካብ 11 ታሕሳስ 2014 ዓ/ም ንደሓር ግን ብጅምላ ትግራዋይ ዝበሃል ፍጡር ብጠያይቲ እንትእረ በቲ ሃንደበታዊ ኩነታት ንባዕላ ካብ ካልኦት ስድርኣ ተፈልያ ኣብ ገዝኣ ተዓፅያ መዓልትታት ከምዝሕለፈት ትገልፅ። ኣብታ ፀልማት እዋን ሰናይ ተግባር ካብ ዝሰርሑ ዝነበሩ ፖላዊስ ሽኸት ንድሕነነታ ሓልዮም ኩሉ ትግራዋይ ካብ ቀተልቲ ክተርፍ ተባሂሉ ይውሰደሉ ናብ ዝነበረ ቤት ህንፀት ከምዝወሰድዋን ናብ ቤት ህንፀት ኣብ ዝነበራ ጉዕዞ ድማ ኣብ ማእኸል ፅርግያ ዝተሰጥሑ ሰለስተ ሬሳ ብዓይና ከምዝረአየት ትሕብር። ሰሚራ ንልዕሊ ወርሒ ኣብ ቤት ህንፀት ድሕሪ ምፅናሕ 16 ጥሪ 2014 ዓ/ም ሰራዊት ትግራይ ናብ ከተማ ሽኸት ስለዝኣተወ ደሃይ ደቃ ክትገብር ዕድል ዋላ እንተረኸበት ሓንሳብ “ኢሪብት ኣለው” ካልእ ግዘ “ኣፍዴራ ርኢናዮም” ዝብል ወረ እንተዘይኮይኑ ኣበይ ከምዘለዉ ጭቡጥ ሓበሬታ ስኢና ኣብ ሻቕሎትን ሰንፈላል ናብራን ከምዘላ ገሊፃ።
እቶም ግዳያት ከምዝሓበርዎ፣ ከተማ ሽኸት/ ኣብዓላ ንትግራዋይ በቲ ሓደ ገፅ ምድራዊ ሲኦል ኮይና ልዕሊ 250 ትግራዋይ ንዘመናት ኣብ ዝተወለደሉን ዝነበረሉን ዓዲ እትቕተል፣ በቲ ካልእ ገፅ ዝተረፈ እንትእሰርን እትፈናቐልን “ሓወይ” ኢሉ ዝተፀገዖ ህዝቢ ዓፋር ንባዕሉ ንሓደጋ ኣቃሊዑ ከውሊ ኮይኑዎን ኣድሒንዎን እዩ። ብምኽንያት እዚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ዓፋርን ትግራይን ብሓይልታት ጥፍኣት ተፋሒሱ ዝነበረ ሽርሒ ንመስዋእትን ጥፍኣትን ኣሻሓት ተጋሩ ዓብዪ ምኽንያት ዋላ እንተኾነ ከም ዕላማ ግን መሊኡ ከም ዘይተዓወተ ትግራዋይ ዘፅለሉ ተወለድቲ ዓፋር ገሊፆም። ሓደ ካብዚኦም ሸኽ ኢብራሂም ኣብራር እዮም። ሸኽ ኢብራሂም፣ ሽኸት (ኣብዓላ) ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ትግራዋይን ዓፋረታይን ከም ደቂ ሓንቲ እኖ ብዘይኣፈላላይ ሃይማኖትን ብሄርን ተፋቒሩን ተሳንዩን ዝነብረላ፥ ምችውቲ ከተማ ከምዝነበረት ገሊፆም።
ይኹን እምበር ብሰንኪ ሽርሒ ፋሽሽቲ ጉጅለ ኣብዪ፣ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ሓይልታት ትምክሕቲ ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ዝበፅሐ ኣብ ህይወቶም ሪአምዎን ከጋጥም እዩ ኢሎም ሓሲበምዎን ዘይፈልጡ ግፍዒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ሽዑ ሬሳ ሽዱሽተ ተጋሩ ምስ ረአዩ “ዓሪፍካ ምቕማጥ ስቓይ ተጋሩ ምንዋሕ” ምዃኑ ኣሚኖም ክንዲ ዝኸኣልዎ ፅላል ተጋሩ ክኾኑ ከምዝወሰኑ ዘረድኡ ሸኽ ኢብራሂም፣ ፈለማ 26 ደቂ ትግራይ ክቕተሉ እንትውሰዱ ንቐተልቲ ተማሕፂኖም ከምዘድሓኑ በዚ ሰናይ ተግባሮም “ጁንታ ኢኻ” ብምባል ሕዱር ሕማም እናሃለዎም ብዘይምግብን መድሓኒትን ንሓደ ለይትን ሓደ መዓልትን ኣሲሮም ከምዘሳቐይዎም ሓቢሮም። ይኹን እምበር በዚ ከይተሰኮኑ ፀላእቲ ዝሓልምዎ ከይገሃድ፥ ዝፀንሐ ታሪኻዊ ዝምድና፣ ፍቕርን ሓድነትን ክልቲኡ ህዝቢ ንምድልዳል ኣብ ውሽጢ እቲ ጊዘ ፀበባ ኮይኖም ከምዝሰርሑ ኣገንዚቦም።
ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሓይልታት ፌዴራል ዓፋር ዝኾነ ተጋዳላይ ኣሚን ኢብራሂም ብወገኑ፣ ትማሊ ብሓበራዊ ቃልሲ ዝተስዓሩ ሓይልታትን መሻርኽቶምን “ህዝብን መንግስትን ትግራይ እንተኣጥፊእና ንህዝቢ ዓፋርን ካልኦት ብሄር ብሄረሰባትን ደቚስካ ምግዛእ ኣይኸብድን።” ካብ ዝብል ከንቱ ሕልሚ ኣንፃር ትግራይ ከምዝተለዓሉ ይገልፅ። ብመሰረት ፋሽሽታዊ ትልሚ እቶም ግፍዓውያን ኣብ ከተማ ሽኸት ክንዲ ዝኸኣልዎን ምግላፁ ዝኸብድን መቕዘፍቲን በደልን ኣካይዶም። ካብዚ ዘምለጠሎም ትግራዋይ ድማ ኣሲሮም ንሰመራ ብምውሳድ ስዕረቶምን ውርደቶምን ንምሽፋን ኣብ ዓውደ ኵናት ከምዝማረኽዎ ኣምሲሎም የቕርብዎን ሰብኣዊ ናፅነቱ ከሊኦም የሳቕይዎን ምህላዎምን ኣረዲኡ። ናይዚ ተግባር ፈፀምቲ ዝኾኑ ኣካላት ዝፀንሐ ዝምድና ክልቲኡ ህዝቢ ደምነት ብምትካል ክዘርግዎ ስለዝደልዩ መሬት ዓፋር መዕንደሪቶም ክትኾን ከምዘይግባእ ብምሕባር ስቓይ ንፁሃት ደቂ ትግራይ ክናዋሕ ዝፈቅድ ዓፋረታይ ክህሉ ስለዘይግባእ ኩሉ ዓፋረታይ ኣብ ጐድኒ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉ ኣንፃር እዞም ፋሽሽት ጉጅለ ክቃለስ ተጋዳላይ ኣሚን ፀዊዑ።
ህዝብታት ዓፋርን ትግራይን ሓበራዊ ቃልሲ ኣንፃር ባዕዳውያንን ደርባውያን ገዛእትን ብምክያድ ዝደልደለ ርክብ ኣለዎም። ከምኡ እውን ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ ዘመነ ግዝኣቶም ኣብ ምድሪ ዓፋር ኣብ ዝነበርሉ እዋን ተወላዲት ዓፋር ንዝነበረት ወይዘሪት ዳቶ ሲራዕሊ ተመርዕዮም ክልቲኡ ህዝቢ ብመብስቦ ዝተጣመረ ዝምድና ክህልዎ ዘኽአለ ነቕ ዘይብል ታሪኻዊ ሕውነት ከምዝመስረቱ ይፍለጥ።

Previous articleሂወት ተመዛበልቲ ኣዴታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ ተሰጋጊሩ፡፡
Next articleሓደጋ ዘንፀላለዎ ስምምዕነት ምቁራፅ ተፅብኦ – ብሉምበርግ