Home ዜና ምጅማር ግልጋሎት ምቁራፅ ትኬት በረራ ኣየር ኣብ ከተማ መቐለ

ምጅማር ግልጋሎት ምቁራፅ ትኬት በረራ ኣየር ኣብ ከተማ መቐለ

494
0

ቅድሚ ሐዚ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ክወሃብ ዝፀንሐ ግልጋሎት ምቁራፅ ትኬት በረራ ኣየር ጠጠዉ ኢሉ ናብቲ ቅድሚ ሐዚ ዝነበሮ ተመሊሱ ኣብ ከተማ ግልጋሎት ክወሃብ ከም ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ጨንፈር መቐለ ኣፍሊጡ።

እቲ ምቁራፅ ትኬት በረራ ኣየር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ክወሃብ ብምፅንሑ ተገልገልቲ ንዘይተደለየ ወፃእታትን ምንግልታዕን ተሳጢሖም ምፅንሖም ዝገለፁ ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ጨንፈር መቐለ ኣይተ ገብረዮሃንስ ወልደገብርኤል ነቲ ኣብ ልዕሊ ተገልገልቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ክበፅሕ ዝፀንሐ ምንግልታዕ ጠጠዉ ንምባል ኣብ ማእኸል ከተማ መቐለ ፊት ንፊት ዋና ቤት ፅሕፈት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጲያ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ጨንፈር መቐለ ንኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ግልጋሎት ምቁራፅ ትኬት በረራ ኣየር ምሃብ ከም ዝተጀመረ ገሊፆም።ካብዚ ብተወሳኺ ቅድሚ ሐዚ ተገልገልቲ እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ትግራይ ኣብ ዝኣትዉሉ እዋን ሒዘምዎ ዝመፁ ሻንጣ ንድሕሪት ምትራፍ ዝረኣዩ ዝነበሩ ፀገማት ቁፅራ በራራ ብምዉሳኽን ነዚ ክሽከማ ዝኽእላ ዓበይቲ ነፈርቲ ብምምዳብን ነቲ ዝፀንሐ ፀገም ንምፍታሕ ይስራሕ ምህላዉ እዩ ኣይተ ገብረዮሃንስ ወልደገብርኤል ሓቢሮም።

ቅድም ኢሉ ካብ ተገልገልቲ እቲ መንገዲ ኣየር ዝቀርብ ዝነበረ ምንሃር ዋጋ ብዝምልከት ድማ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኵናት ሲዒቡ ኣብዝሓ ክፍል ሰሜን እዛ ሃገር ቀጠና ኵናት ተባሂሉ ስለ ዝተትሓዘ ዋጋ ኢንሹራንስ ብምዉሳኹ ዋጋ በረራ ክዉስኽ ምኽንያት ኮይኑ ፀኒሑ እዩ ዝበሉ ኣይተ ገብረዮሃንስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዘሎ ሰላም ግን እቲ ዋጋ ካብ ዝነበሮ 6800 ብር ናብ 4680 ብር ከም ዝነከየ ኣፍሊጦም።

ምቁራፅ ትኬት በረራ ኣየር ቅድሚ ሐዚ ናብ ዝነበሮ ምምላሱ ሲዒቡ ኣብ ቤት ፅሕፈት መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ጨንፈር መቐለ ግልጋሎት ክረኽቡ ዝረኸብናዮም ወገናት እቲ ብወገኖም ምቁራፅ ትኬት በረራ ኣየር ናብ ንቡር ምምላሱ ብምንኣድ ንዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ እቲ ግልጋሎት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ክወሃብ ብምፅንሑ ንዘይተደለየ ወፃኢ ገንዘብን ምንግልታዕን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ፀገማትን ተሳጢሖም ምፅንሖም ብምሕባር ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ዝነበረ ፀገም ብምፍትሑ ሕጉሳት ምዃኖም ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብምኽትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ዕዶት ምስ ኣመራርሓ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ኣብ ጉዳይ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ ዘለዉ ፀገማት ዝፍትሕሉ ኣገባብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ኣብ ኣወሃብ ግልጋሎት ብፍላይ ድማ ምቁራፅ ትኬት ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብምዃኑ ኣብ ተገልገልቲ ፀገማት ይፍጠሩ ምህላዎምን ቀልጢፉ ናብቲ ዝነበሮ ናብ ከተማ ክምለስን ካልኦት ዝረኣዮ ፀገማት ዝፍትሕሉ ኣገባብን ኣመልኪቱ ዘተ ምክያዱን ኣመራርሓ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ድማ ነቶም ዘጋጥሙ ዘለዉ ፀገማት ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ንምፍታሕ ከም ዝሰርሑን ኣብ ምርድዳእ ምብፅሖም ዝዝከር እዩ።ክብሮም ተስፋይ

Previous articleሰለማዊ ሰልፊ ተመዛበልቲ ትግራይ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢ ኣቓልቦ ረኺቡ
Next articleዉሳነ ላዕለዋይ ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን