Home ዜና ምጅማር ግልጋሎት ባንኪ ከተማ ኣኽሱም

ምጅማር ግልጋሎት ባንኪ ከተማ ኣኽሱም

1201
0


ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝርከባ ጨንፈራት ባንኪ ንግዲ ኢ/ያ ካብ 1 ለካቲት 2015ዓ.ም ጀሚረን ስሩዕ ግልጋሎት ባንኪ ይህባ ከምዘለዋ ተገሊፁ።


ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢ/ያ ጨንፈር ኣኽሱም ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ኣይተ ፍፁም መዓሾ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ጨንፈራት ብሄራዊ ባንኪ ኢ/ያ ብዝፈቕዶ መሰረት ሓደ ዓሚል ገንዘብ ብዘይገደብ ማለት እዉን መዓልታዊ 50ሽሕ ብር ሰሙናዊ ድማ ክሳብ 300 ሽሕ ብር እዉን መዓልታዊ ከውፅእ ከምዝኽል ካብ ሒሳብ ናብ ሒሳብ እዉን ብዘይ ገደብ ምዝዉዋር ከምዝከኣል፣ናይቲ ባንኪ ዓሚል ዝኾነ ድማ ኣብ ዝኾነ ክፋል ኢ/ያ ዝኸፈቶ ሒሳብ ደፍተር ሒዙ ብምቕራብ ሙሉእ ግልጋሎት ክረክብ ከምዝኽእል ኣይተ ፍፁም ሓቢሮም።


ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሒሳብ ደፍተሮም ዝጠፍኦም ዓማዊል እንተሃልዮም ድማ መለለዪ መንነቶም ሒዞም ብምቕራብ በቲ ዝነበረ መስርሕ እቲ ባንኪ ግቡእ ግልጋሎት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ኣይተ ፍፁም ኣፍሊጦም።
#ብገ/መስቀል ኪሮስ

Previous articleሓገዝ ድያስፖራ ትግራይ
Next articleጨፍጫፍ ንፁሃት ኣብ ማርያም ሸዊቶ