Home ዜና ምጥሓስ ግዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል

ምጥሓስ ግዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል

779
0

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ትግራይን ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዋናነት መንግስቲ ኣሜሪካ ዝተሳተፍሉ ብግዝያዊነት ተፃብኦ ደው ንምባል ድሕሪ ዝተፈፀመ ስምምዕነት ምስ ዓንቀፍቀፉ ሰብኣዊ ሓገዝ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ምብፃሕ ዓብይ ረብሓ ከምዝነበሮ ኣባል ሴንትራል ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም፡፡ ብምኽንያት ፀቅጢ ማሕበረሰብ ዓለም ህይወት ሰብ ኣብ ምድሓን ዓብይ ትርጉም ዘለዎም ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ንነዘ ዛጊድ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኩንታል እኽሊ ናብ ትግራይ ምእታውን ድፕሎማስያዊ ዓወት ከምዝተረኸበሉን ድማ ሓቢሮም፡፡

ምስ ዝተፈላለዩ ፀገማቱ ብግዝያዊነት ተፃብኦ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ተግባራዊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክፀንት ድልየት ዘለዎም ሓይልታት ብፍላይ ገበቲ ሓይሊ ኣምሓራ ነቲ ዝተበፀሐ ስምምዕነት ንምፍራስ ዝተፈላለዩ ፈተነታት ከካይዱ ምፅንሖም ድማ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓቢሮም፡፡

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሰራዊት ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ነሓሰ 9/2014 ዓ/ም ብኣንፈት ደደቢት ብኸቢድ ኣፅዋር ዝተሰነየ ደብዳብ ምፍፃሙ ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸው ረዳ እዚ ተግባር  ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ብግዝያዊነት ተነቢሩ ዝፀንሐ ስምምዕነት ተፃብኦ ደው ምባል ዝጠሓሰ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ልዕሊ ዝኾነ ቀዳምነት ዝህብዎ ጉዳይ ዕድላት ሰላም ፀንቒቕኻ ምጥቃም ምዃኑ ዝሓበሩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ይኹን እምበር ንህዝቢ ትግራይ ንሓደጋ ዘሳጥሕ ተግባር ምስ ዝህሉ ግን ግቡእ ምላሽ ከምዝወሃብ ኣረጋጊፆም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንክጠፍእ ጌም ኦቨር ኢሉ ተበጊሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ዝፈፀመ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “እቶም ትማሊ ጠፊኦም እዮም” ዝበሎም ሐዚ ድማ ተመሊሱ “ወያነ ክወረኩም እዩ ኢሉ” ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምድንጋር ተፀሚዱ ይርከብ፡፡

ትግራይ ናይ ምጥፋእ ኣጀንዳ ሒዙ ዝተበገሰ ኣራዊት ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ፈፂሙ፤ ሐዚ እውን መሬት ትግራይ ወሪሩ ሒዙ ህዝቢ የበሳብስ ምህላው ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸው ረዳ እቲ ኣራዊት ሰራዊት ካብቲ ወሪሩ ዝሓዞ መሬት ትግራይ ከምዝወፅእ ኣፍሊጦም፡፡

ልኣላውነት ካልእ ሃገር ጢሒሱ ግፍዒ ፈፂሙ ሐዚ እውን ወሪሩ ኣብ ዝሓዞም መሬት ህዝቢ ትግራይ ዘበሳብስ ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጀኖሳይድ ፈፂሙ ክነሱ ኣብ ዘተ ሰላም ንክሳተፍ ዝቐረበሉ ዕድመ ድማ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም፡፡

ክብሮም ተስፋይ

Previous articleስቓይ ስደተኛታት ትግራይ ኣብ ሱዳን
Next articleኣብ ኲናት ዝነብር ጉጅለ ፋሽስት