Home ማሕበራዊ ምጥንኻር ሓድነት ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን

ምጥንኻር ሓድነት ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን

1184
0

ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ቐረባ እዋን ስምምዕ ግዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ተኹሲ ብምፍፃም ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብአዊ ሓገዝ ከምዝኣቱ ምግላፁ ይዝከር ። ይኹን እምበር ኣብ ተግባራውነቱ ግና ዝኾነይኹን ሰብኣዊ ሓገዝ ብክልል ዓፋር ናብ ትግራይ ከይኣቱ ብተለኣኣኽቱ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣዶ መንበር ፌደራሊስት ዲያስፖራ ዓፋር ዘቢብ መሓመድ ጠይብ ሙሳ ገሊፀን።
ህዝቢ ትግራይን ዓፋርን ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መሻርኽቱን ብዝፈጠርዎ ፕሮፖጋንዳ ሕሶት ከይተደናገረ ብሕብረት ክሰርሕ ከምዝግባእ ሓቢረን።
ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ከምስል ንሰላም ይሰርሕ ኣለኹ እናበለ ብተግባር ግና ትግራይ ኣብ ክባ ኣእትይዋ ከምዘሎ ዝገለፃ እዘን ኣዶ መንበር ማሕበረሰብ ዓለም ዓገብ ክብልን ስጉምቲ ክወስድን ፀዊዐን።
ፌደራሊስት ሓይልታት ከምቀደሙ ሰላሙ ንምሕላው ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ምስ ህዝቢ ትግራይ ከምዝሰርሕ ድማ ኣገንዚበን።
ብዛፉ ገ/ዮሃንስ

Previous articleስግኣትን ተስፋን ሓረስታይ ትግራይ
Next articleምንፃግ ጥርዓን ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ