Home ዜና ምፋታሕ ፀገም ሕብረተሰብ

ምፋታሕ ፀገም ሕብረተሰብ

797
0

ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ፀገም ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ብትኹረት ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ፡፡

ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ኣብዘሳለጦ 4ይ ስራሕ ዘበን መበል 30 ስሩዕ ጉባኤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፀገም ሕብረተሰብ ምፍታሕ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ዋኒን ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

እቲ ምምሕዳር ትልሚን ዝርዝር ኣፈፃፅማን ስራሕቲ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ዝገምገመ ኮይኑ ምስ ኩነታት ፀጥታን ስርዓተ ንግዲን ተተሓሒዙ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ብትኹረት ከምዝሰርሕ ድማ ኣነፂሩ ኣሎ፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈፀመ ወራር ስዒቡ ኣብታ ክፍለ ከተማ ዝርከባ ኣብያተ ጥዕናን ኣብያተ ትምህርቲን ስሩዕ ኣገልግሎት ንምሃብ አፀጋሚ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣባላት ቤት ምኽሪን ተሳተፍቲን እቲ ጉባኤ እዚ ፀገም ንምቅራፍ ልዑል ርብርብ ይጠልብ ኢሎም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ፀገም ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ዝግበረ ህፁፅ ተሳትፎ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ዋኒን ከምዝኾነ ዝሓበሩ ዋና ኣመሓዳሪ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ኣይተ ገ/ሚካኤል እኑን ኣብ ህዝቢና ዘለው ሓፈሻዊ ፀገማት ብዘይ ወዓል ሕደር ንምፍታሕ ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ዝተዋደደ ስራሕ ምስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡

ብታደለ ዳኘው

Previous articleዕንወት ግድብ ፅሩይ መስተ ማይ ገርሁ ስርናይ
Next articleሰራዊት ኤርትራ ሕዚ እውን ካብ ትግራይ ከምዘይወፀን ግፍዕታት ይፍፅም ከምዘሎን ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ፡፡