Home ዜና ሞት ህፃናት ትግራይ

ሞት ህፃናት ትግራይ

505
0

ብሰንኪ ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ኣብ ትግራይ ቑፅሪ ዝሞቱ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ብዝለዓለ መጠን ይዉስኽ ከምዘሎ ተገሊፁ።ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ቐፅሪ ዝሞቱ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ካብ መጋቢት ክሳብ ሚያዝያ 2015 ዓም ኣብ ዘሎ እዋን ጥራሕ ብ20 ሚእታዊ ከምዝወሰኸ ንቢሮ ሓለዋ ጥሽና ትግራይ ብምጥቃስ ኣዲስ ስታንዳርድ ፀብፂቡ።

መተሓባበሪ ቀረብ ዝተመጣጠነ ምግቢ እቲ ቢሮ ኣይተ መንገሻ ባህረስላኔ ንኣዲስ እስታንዳርድ ከምዝገለፅሉ ሞት እዞም ህፃናት በዚ መጠን ክጋደድ ዝኸኣለ ትካላት መቕረብቲ ሓገዝ ምቕራብ ሓገዝ ጠጠዉ ብምባሎም ምኻኑ ኣረዲኦም።

“ህፃናት ብፍላት ትሕቲ ሓሙሽተ ሻመት ዝኾኑ ከም ፍራምረን ተዋፅኦ እንስሳን ዝዓይነቶም ሃነፅቲ ምግቢ የድልይዎም” ዝበሉ ኣይተ መንገሻ “ህፃናት ብስእነት እዞም ምግብታት ይሞቱ ኣለዉ” ኢሎም።ከም ኣገላልፃ ኣይተ መንገሻ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ኣቆፃፅራ ኣዉሮፓ ኣብ ትግራይ ኩናት ካብ ዝጅመር ናብዚ ብዉሕዱ 2,850 ህፃናት ብሕፅረት ምግቢ ኣብ ሆስፒታላት ትግራይ ሞይቶም እዮም። እዚ ቐፅሪ ድማ ዞባታት ምዕራብን ዶቡብን ከምዘየካትት ብምሕባር።

ብሃይለሚኪኤል ገሰሰ

Previous articleኣባላት ማሕበር ጡሮተኛታት ከተማ መቐለ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘይተኸፈሎም ኣበል ጥሮታ ክኽፈሎም ዝፅውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣሳሊጦም።
Next articleኣብ ከተማ ሽረ እንዳሰላሴ ብዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ቦታታት ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ተገሊፁ።