Home ማሕበራዊ ሞት ነብሰፁር ኣዴታት

ሞት ነብሰፁር ኣዴታት

1033
0

ኣብ ትግራይ ግልጋሎት ጥዕና ብምቑራፁ ኣዴታትን ህፃናትን ንሞት ተቃሊዖም ፡፡ወሃብቲ ግልጋሎት ጥዕና ትግራይ ብፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ብምዕናዎምን ግልጋሎት ኣምቡላስን ሙሉእ ብምሉእ ብምቑራፁን ኣዴታትን ህፃናትን ንሞት ይቃልዑ ከምዘለዉ ተገልገልቲ ሆስፒታል መኾኒ ገሊፀን ፡፡ወ/ሮ ኣለም ኻልኣዩ ነባሪት ወረዳ ራያ ዓዘቦ እያ ፡፡

እዛ ኣዶ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ወራር ኲናት ምክያዱ ቅድም ኢላ ዝወለደቶም ቆልዑ ግቡእ ክትትል ፅንስን ወሊድን ትገብር ነይራ ፡፡ ድሕሪ ወራር ኲናት ግን ወሃብቲ ግልጋሎት ጥዕና ትግራይ ብፋሽስታውያን ብምዕናወንን ኣጋጢሙ ብዘሎ ሕፅረት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ኣብ ግዜ ፅንሳ ግቡእ ክትትል ሕክምና ክትወስድ ኣይክኣለትን ፡፡

ኣብ እዋን ወሊድ እውን እንተኾነ ብሰንኪ ምቑራፅ ግልጋሎት ኣንቡላንስ ህይወታ ንምድሓን ልዕሊ 10 ኪሎሜትር ናብ መባእታዊ ሆስፒታል መኾኒ ብዓረብያ ፈረስ ክትጓዓዝ ከምዝተገደደት ገሊፃ ፡፡ ሜዲካል ዳይሬክተር መባእታዊ ሆስፒታል መኾኒ ዶ/ር መሰለ ሞላን ካልኦት ሰብ ሞያ ስነ ተዋልዶን ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒትን ስእነት ኣንቡላንስን ነፍሰፆር ኣዴታትን ህፃናትን ግዳይ ሞት ይኾኑ ከምዘለዉ ገሊፆም ፡፡

ኣብ ትግራይ ካብ ስርቂን ዕንወትን ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ዝተረፋ ኣንቡላንስ ብዝተወሰነ መልክዑ ግልጋሎት ይህባ ዋላ እኳ እንተነበራ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ግልጋሎት ኣንቡላንስ ሙሉእ ንሙሉእ ብምቑራፁ ኣዴታት ንሞት ይቃልዓ ከምዘለዋ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀይሕ መስቀል ትግራይ አይተ ብርሃኑ መኮነን ምግላፆም ይዝከር ፡፡

ነፍሰፆር ኣዴታት ትግራይ ብሰንኪ ምቑራፅ ግልጋሎት ኣምቡላንስ ግልጋሎት ወሊድ ሕክምና ስኢነን ኣብ ገዝአን ተዓፅየን ይሞታ ኣለዋ ፡፡ ገሊአን ድማ ብቀሬዛ ተፀይረን ናብ ወሃብቲ ግልጋሎት ሕክምና ንክከዳ ይሽገራ ኣለዋ ፡፡

ብበላይ ሽፈራው

Previous articleፆታዊ መጥቃዕቲ ከምመሳርሒ ኲናት
Next articleምቅላል ዓፀባን ጥሜትን