Home ዜና ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ወረዳ እገላ

ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ወረዳ እገላ

882
0

ኣብ ወረዳ እገላ ሰኣን ግልጋሎት ሕክምና ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓስ 2015 ዓ.ም ኣትሒዙ ዛጊድ ህይወት 30 ወገናት ከም ዝሓለፈ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ እገላ ኣፍሊጡ።

ጣብያ ጥዕና ገርሁ ስርናይ ብኣራዊት ሰራዊት ሻዕቢያ ሙሉእ ብሙሉእ ብምዕናዉ ሰኣን ግልጋሎት ሕክምና 10 ኣዴታትን 10 ህፃናትን ዝርከብዎም ህይወት 30 ወገናት ከም ዝሓለፈ ኣተሓባባሪ ቤት ፅሕፈት ጥዕና እታ ወረዳ ኣይተ ገብረመድህን ኣለማዮ ገሊፆም።

ንልዕሊ 50 ሽሕ ህዝቢ ወረዳ እገላ ከም ሪፈራል ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ጣብያ ጥዕና ገርሁ ስርናይ ዝነበርዎ ኩሎም ናዉቲ ብኣራዊት ሰራዊት ሻዕቢያ ተሰሪቑ ዝተረፈ ድማ ዓንዩ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝኾነ ዓይነት ግልጋሎት ኣብ ዘይህበሉ ከም ዝርከብ ድማ ሰብ ሞያ እቲ ጣብያ ጥዕና ሓቢሮም።

ብምኽንያት እዚ ድማ ንመላእ ህዝቢ እታ ወረዳ ግልጋሎት ዝህብ ዝነበረ ጣብያ ጥዕና ገርሁ ስርናይ ስርሑ ደዉ ብምባሉ ህይወት ነበርቲ ወረዳ እገላ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ ተሰጋጊሩ ከም ዘሎ ነበርትን ሰብ ሞያ እቲ ጣብያ ጥዕናን ገሊፆም።

ብምዃኑ እዉን ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ትግራይን ፌደራልን ኣብ ዓብይ ፀገም ንዝርከብ ህዝቢ ወረዳ እገላ ብቅልጠፍ ክበፅሕሉ ፃዊዒት ቀሪቡ ኣሎ።

ብክብሮም ተስፋይ

Previous articleተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ጉዳይ ትግራይ
Next articleዕንወት ግድብ ፅሩይ መስተ ማይ ገርሁ ስርናይ