Home ማሕበራዊ ርክብ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን

ርክብ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን

1059
0

ዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ብስካይፒ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ስትራቴጅካዊ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ብሓባር ዝረጋገፅ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ እዩ ኢሳያስን ጉጅልኡን ኣብ ፅልኢ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኣበርቲዖም ዝሰርሑ ዘለዉ ክብል ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ብስካይፒ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊፁ፡፡

ርክብ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ናብ ንቡር ንምምላስ ስርዓት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝፈፀሞ ገበን ጀኖሳይድ ኩሉ ኤርትራዊ ኣፍልጦ ብምሃብ ነቲ ተግባር ክኹንኖ ይግባእ ኢሉ ጋዜጠኛን መስራቲ ቴሌቪዥን ኣሰናን ኣማኑኤል እያሱ፡፡

ጋዜጠኛ ኣማኒኤል እያሱ ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ብፍሉይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ንቡር ርክብ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ናብ ቦትኡ ንምምላስ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ብህፁፅ ክወፅእ ኣለዎ፤ ኩለና ኤርትራውያን ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራ ንዝበፀሐ ግፍዒ ኣፍልጦ ክንህቦን ክንኩንኖን ይግባእ ኢሉ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ፖሊሲ ፅልኢ እናሰጎመ ዝመፀ እዩ ዝበለ ኣማኒኤል እያሱ እዚ ስርዓት እዚ ንኤርትራ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሕዚ ድማ ምስ ዓለም የባእሳ ምህላው ኣፍሊጡ፡፡ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ ግፍዒ ብዓለም ለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅቡልነት ዝረኸበ እዮሞ ንሕና ኤርትራውያ ልቢ ንግበር፤ ፈታዊናን ፀላኢናን ንፍለ ኢሉ ኣሎ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል እያሱ፡፡ ነባሪ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ትግራይ እዩ ዝረጋገፅ እሞ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዘላቒ ሕውነት ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ክነጥፍ ፀዊዑ፡፡ብዳሞራ ያሕያ

Previous articleምውፃእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝወረሮ መሬት ትግራይ
Next articleብተግባር ፋሽስታውያን ኣይንምብርከክን