Home ማሕበራዊ ርክብ ህዝብታት ዓፋርን ትግራይን ብምጥንኻር በብእዋኑ ዘጋጥሙ ጎንፅታት ክንኣልዮም ይግባእ – ኣቦ...

ርክብ ህዝብታት ዓፋርን ትግራይን ብምጥንኻር በብእዋኑ ዘጋጥሙ ጎንፅታት ክንኣልዮም ይግባእ – ኣቦ ገረባት

704
0

ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ዓፋርን ህዝቢ ትግራይን ዝፀንሐ ርክብ ብምጉልባት ኣብ መዳዉብቲ ጣብያታት ዝፍጠሩ ግዝያዉን ቀለልትን ጎንፅታት ንምእላይ ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑ ኣቦ ገረባትን ዓበይቲ ዓድን ጎረባብቲ ክልቲኡ ህዝብታት ገሊፆ፡፡ህዝብታት ዓፋርን ትግራይን በብእዋኑ ንዘጋጥሞም ሓበራዊ ፀላኢ ብሓባር ብምምካት ንዘመናት ዝዘለቐ ጠንካራ ሕዉነታዊ ርክብ ዝወነኑ እዮም፡፡ ነዙይ ኣጠናኺሮም ንምቕፃልን ብጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድን ተላኣእኽቱን ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ጎንፂ ንምፍጣር ዝገብርዎ ሽርሒ ንምፍሻልን ድማ ኣቦ ገረባትን ዓበይቲ ዓድን ጣብያታት ጋላዒሶን ኣራ ዓሰ ገዳን ሓበራዊ መድረኽ ኣሳሊጦም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣቦ ገረባትን ዓበይቲ ዓድን ኣጋጢሞሙና ዘለዉ ሓበራዊ ፀላእቲ ኣብ ምምካት ድኣ እንበር ብዘይረብሑ ምኽንያታት ክንጓነፅ ግዜና ክነጥፍእ የብልናን ኢሎም፡፡ ኣብ መዋሰኒ ጣብየኦም ሓሓሊፎም ዝራኣዩ ብማይ፣ ሳዕሪ፣ሕዛእትን ካልኦት ምኽንያታትን ጌሮም ዝረኣዩ ቐለልቲ ጎንፅታት እንዳዓበዩ ንፀላእቲ በሪ ከይኸፍቱልና ድማ በቢ እዋኑ ሓበሬታ እንዳተለዋወጥናን እሂን ምሂን እንዳተበሃህልናን ክንፍትሖምን ሕዉነትና ክነጠናኽርን ይግባእ እዉን ኢሎም፡፡

ኣተሓባባሪ ኮምቴ መኸተ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ኣይተ ኣብርሃ ካልኣዩ ጎረባብቲ ጣብያታት ክልቲኡ ህዝቢ ምሕዝነቱ ብምጥንኻር ብዉስናት ሕማቓት ሰባት ንዘጋጥምዎም ጎንፅታት ከይተጋደዱ ዓበይቲ ዓድን ኣቦገረባትን ሓቢሮም ብምዝታይ ክፈትሕዎም ይግባእ ኢሎም፡፡ እቲ ሓበራዊ መድረኽ ካብ ክልቲኡ መዋስንቲ ጣብያታት ዝተወከሉ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣቦ ገረባትን ካልኦት ናይ ዞባን ወረዳን ኣመራርሓን ዝተረኸብሉ እንትኾን በቢ ክልተ ሰሙን ከም ዝሳለጥ እዉን ኣብቲ አዋን ተገሊፁ፡፡

ብህይወት ብርሃነ

Previous articleጉዕዞ ኲናትን ቁጠባዊ ውድቀትን
Next articleምስ ሃፍተንን ንብረተንን ዝጠመያ በዓል ሃፍቲ