Home ዜና ሰለማዊ ሰልፊ ተመዛበልቲ ትግራይ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢ ኣቓልቦ ረኺቡ

ሰለማዊ ሰልፊ ተመዛበልቲ ትግራይ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢ ኣቓልቦ ረኺቡ

575
0

ኣብ ትግራይ ወረርቲ ሓይልታት ንክወፁ ዝጠልብ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ክብላ ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ዝርከቦም ዝተፈላለያ ማዕኸናት መራኸብቲ ሓፋሽ ፀብፂበን።ኣብ ትግራይ ብኣሽሓት ዝቑፀር ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስን እቲ ኩናት ደዉ ካብ ዝብል ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወፁ ተመዛበልቲ ብሰላማዊ ሰልፊ ሓቲቶም ክብል ሮይተርስ ፀብፂቡ ።እቲ ኣብ መንጎ ወረርቲ ሓይልታት ፅንተትን ሓይልታት ትግራይን ዝተኻየደ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት ዘስኣነ ደማዊ ኩናት ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ብዕርቂ ከምዝተዛዘመ ዘዘኻኸረ ፀብፃብ ሮይተርስ ብሰንኪ እቲ ኲናት ሚልዮናት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን የረድእ።

ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ሕዝዉን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ መሬት ኢትዮጵያ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዶባትን ከተማታት ከምዝርከብ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘረጋገፅሉ ድማ ፀብፂቡ።ሰልፈኛታት ሰሉስ 15 ግንቦት 2015 ዓ/ም ኣብ ብርክት ዝበላ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ማለት ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ፣ ዓዲግራትን ሽረን ሓዊሱ “ወረርቲ ካብ ዓድና ክወፁ ኣለዎም” ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታት ሒዞም ከምዝነበሩ ንምስሊ ተሌቭዥን ትግራይ ብምዉካስ ፀብፂቡ።

እቲ ስምምዕ ሰላም ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 23 /2015 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ዝትግበር ናብዚ ክልቲኦም ወገናት ቁልፊ ድንጋገታት ኣብ ምትግባር ምዕባለ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ሮይተርስ ካብዚኦም ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ምፍታሕ ምጀማሮምን ግዝያዊ መንግስቲ ተጣይሹ ብዙሓት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምምላሱን ጠቒሱ።

እንተኾነ ግና ሰበ-ስልጣን ትግራይ ሕዝዉን መሬት ትግራይለቒቖም ኣብ ዘይወፁ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ዘለዎም ቅሬታ የቕርቡ ምህላዎምን ንኣብነት ኣብዚ ቀረባ ምዓልትታት ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ምምራሕ ዝርከቡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ቀረባ እዋን ንኣተገባብራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝከታተል ጉጅለ ስርሑ ከይፍፅም ከምዝኸልከሉ ምግላፆም ጠቒሱ።ኣብዚ ጉዳይ ርኢትኦም ክህቡ ሮይተርስ ዝሓተቶም ኣቐበልቲ ቃል መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢሉዉን ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ምላሽ ክህቡ ከምዘይከኣሉ ድማ ሮይተርስ ፀብፂቡ።ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ክካየድ ዝወዓለ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ብተወሳኺ ኣልጀዚራ፣ግሎብ ኤንድ መይል፣US NEWS፣ኣዲስ ስታንዳርድን ካልኦት ማዕኸናት መራኸብትን ሽፋን ሂበምዎ ኣለዉ።

Previous articleኣቓልቦ ዝሰኣነ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ስደት
Next articleምጅማር ግልጋሎት ምቁራፅ ትኬት በረራ ኣየር ኣብ ከተማ መቐለ