Home ዜና ሰለማዊ ሰባት ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ድሮን ሎሚ 13 መስከረም 2015 ዓ/ም ኣብ...

ሰለማዊ ሰባት ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ድሮን ሎሚ 13 መስከረም 2015 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።

3874
0

ጉጀለ ፋሽስቲ ኣብይ ሎሚ ለይቲ ከባቢ ሰዓት 10፡30 ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ መንበሪ ሰላማውያን ሰባትን ሆቴላትን መዘናግዒ ቦታታትን ዝርከበሉ ከባቢ ደስታ ሆቴል ብዝፈፀሞ ፋሽሰታዊ ደብዳብ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ሞትን ጉድኣትን ኣካልን ኣብፂሑ፡፡
እቲ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብ ዚ ቅነ ብዕለት መስከረም 8/2015ዓ/ም ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራባዊ ሕፃፅ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ብዝፈፀሞ ደብዳብ እውን ክልተ ኣሕዋት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃውንቲ ከምዝቀተለን ተፈሊጡ ፡፡

ደብዳብ ድሮን ከተማ መቐለ


ጉጅለ ፋሽሽት ብሓፈሻ ሓዱሽ ዓመት 2015 ዓ/ም ካብዝኣቱ ኣብ ከተማ መቐለ ጥራሕ ኣብ ውሽጢ 13 መዓልታት 4 መዓልታት ደብዳብ ድሮን ኣካይዱ እዩ።
3 መስከረም 2015 ዓ/ም ህዝቢ ትግራይ ሓበሬታ ከይረክብ ኮነ ኢልካ ንምዕፋን ተሓሲቡ ኣብ ህዝባዊ ሚድያ ድምፂ ወያነ ከምኡ ውን ዩኒቨርስቲ መቐለ ደብዳብ ተካይዱ እዩ።
ቀፂሉ ድማ መስከረም 4 ኣብ በንበሪ ገዛውቲ ብዝተካየደ ደብዳብ ድሮን ክሳብ ሐዚ ቁፅሪ መወቲ ሰላማውያን ሰባት 12 ዝበፅሐ እንትኾን ብዙሓት ድማ ከቢድ ጉድኣት በፂሕዎም እዩ።
ብምቅፃል 7 መስከረም ህዝቢ ዝሕከመሉ ሆስፒታል ሃምሊን መቐለ ሓዊሱ ሰብ ዝዘናገዐሉ ከም ህዝባዊ መዘናግዒ እንዳራእሲ ዝበሉ ህዝባዊ ትካላትን መንበሪ ገዛውትን ዝበዝሕዎ ኸባቢ እዩ ተደብዲቡ ።

Previous articleመግለፂ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣባል ማእከላይ ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ መስከረም 10, 2015 ዓ/ም
Next articleመልእኽቲ ፕረዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር)