Home ማሕበራዊ ሰላም ባህጊ ህዝቢ ትግራይ

ሰላም ባህጊ ህዝቢ ትግራይ

684
0

ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ንዝኾነ ህዝቢ ብሓይሊ ጎቢጡ  ወይ ኣበሳቢሱ ኣይፈልጥን ምክንያቱ ትርጉም ሰላም ስለዝርዳእን ሰላም  ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ስለዝኣምንን እዩ ⵆ

ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ሰላም እዩ ሰላም እንተሃልዩ  ኩሉ ነገር ቀረባ እዩ  ህዝቢ ትግራይ እውን  ምስ ጎረባብቱ ምሕዝነት ክፈጥርን ሓቢሩ ክዓብን ናይ ኩሉ ግዘ ፃውዒቱን ድሌቱን እዩⵆ

ናይዚ መርአያ ኣብቲ ቀዋሚ ሓወልቱ ዘስፈሮ እምነቱ እዩ እቲ እምነት ፦

“ዝኾነ ዓይነት ወፅዓን ባርነትን ከምዘይንቕበል ንኻልእ ህዝቢ እውን ከምዘይንምነየሉ ክጎብጠና ንዝደሊ ዝኾነ ሓይሊ ፍፁም ከምዘይንብርከኽ ናይ ትማሊ ናይ ሎሚ ናይ ወትሩ ነቕ ዘይብል ቃልኪዳና እዩ” ዝብል እዩ፡፡

ነዚ ድሌት ሰላምን ፃውዒትን ነፂጎም ከም ፍርሒ ቆፂሮም ብትዕቢት ተወጢሮም ሰላሙ ክዘርጉ ብሓይሊ ክጎብጥዎ ንዝመፁ ናይ ደገ ይኹን ናይ ውሽጢ ወራራት ድማ ምእንተ ህላውኡን ሰላሙን ኢሉ ብሓድነት ጠጠው ኢሉ መስዋእቲ ከፊሉ እዩⵆ

ርሑቕ እንተይከድና ነቲ ህዝቢ ትግራይ  ረጊፁን ኣበሳቢሱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቸቸ ክብል ዝደሊ ዝነበረ ጨቋኒ  ስርዓት ደርግ ደምሲሱ ከምኡ እውን ብትዕቢት ተወጢሩ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወራር ዘካየደ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣደብ ኣትሒዙ  ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ  ውሑስ ሰላም ፈጢሩ እዩ ህዝቢ ትግራይⵆ

ህዝቢ ትግራይ ብዝኸፈሎ መስዋእትነት ኣብቶም ዝሓለፉ 27 ዓመታት ካብ ምርግጋፅ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪካ ሓሊፉ ኣብ ምርግጋፅ ሰላም ኣፍሪካን መላእ ዓለምን እውን እጃሙ ካብተን ዝማዕበላ ሃገራት ዘይነኣኣስ ነይሩⵆ

ኮይኑ ግና  እንትርፊ ብጃህራን ፈኸራን ብዕግርግርን ናዕብን ብኻልእ ክነብሩ ዘይደልዩ ሓይልታት ነቲ ምእንተ ሰላም ኢሉ ልዕሊ ዝኾነ መስዋእቲ ከፊሉ ሰላም ዘረጋገፀ ህዝቢ ትግራይ ፤ ነቲ ምእንተ መሰል ዓርሰ ውሳነ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ተሰዊኡን ኣካሉ ቆሲሉን ንኩሎም ህዝብታት ሓለፋ ከፊሉ ፤ ተጠቀምቲ ልምዓት ፣ ዴሞክራስን ሰላምን ዝገበረ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ጀኖሳይድ እናፈፀሙ ኣንፃር ሰላም ተሰሊፎም ጠጠው ኢሎም።

ፋሽስት ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ ነቲ ፃውዒት ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ረኺብናዮ ኢሎም ነቲ ሰይጣናዊ ፃውዒት ዝተቐበሉ ተስፋሕፋሕትን ሓይልታት ትምክሕትን ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ኩሉ ዓይነት ፃውዒትን ምድላዋትን እንተገበሩ እኳ ህዝቢ ትግራይ ግና ዋጋ ሰላም ይፈልጦ እዩ እሞ ወግሐ ፀብሐ መዝሙር ሰላም ቀፀለⵆ

“ሰላም እንተዘይሃልዩ ምንም ነገር ኣይህሉን ሰላም እንተዘይሃልዩ ሃይማኖት የለን ሰላም እንተዘይሃልዩ ህልውና ዝብሃል የለን ዋጋ ሰላም ከቢድ እዩ ፤ ናይ ዓለም ሃፍቲ እንተዝእከብ ክንዲ ሰላም ክኸውን ኣይኽእልን” ኣቡነ ማትያስ ኣብ ዋዕላ ሓወልቲ ሰማእታት ዝተዛረብዎ እዩ፡፡

እንተኾነ ግና ነቶም ሰላም ዕግርግሮም ነቶም ብርሃን ፀልማቶም ነቶም ከይሰምዑ  ዝተሓተሙ ነቶም ከይሪኡ ዝተዓመቱ  ህዘቢ ትግራይ ዋጋ ሰላም ከረድእ ዓገግ እኳ እንተበለ ሰማዒ ግን ኣይረኸበን፡፡ ትዕግስትን ፃዕርን ህዝቢ ትግራይ ግን መወዳእታ ኣይነበሮንⵆ

ነዚ መወዳእታ ዘይብሉ ፃውዒት ሰላም  ህዝብን መንግስትን ትግራይ ጥሒሶምን ብትዕቢት ተወጢሮምን እዮም እምበኣር ብቐላሳይነት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ውልቀ መላኺ መንግስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ተስፋሕፋሕትቲ ኣምሓራን ካልኦት መዛሪቶምን ተወዲቦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ዝኣወጁን ዝፈፀሙን።

ጀነራል ፃድቃን  “ህዝቢ ትግራይ ኲናት ክተርፍ እንተፀዓረ እውን ብናይ ሓደ ወገን ድሌት ጠጠው ኣይብልን እሞ እቲ ኲናት ክተርፍ ኣይኽእልን ነይሩ” ኣብ ሓራ መሬት ትግራይ ኮይኑ ዝተዛረቦ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ድማ ከምቲ ልሙድ ባህጉ ሰላም እምበር ንሰላም ነፂጎም ብሓይሊ ክጎብጥዎን ከጥፍእዎን ንዝመፁ ሓይልታትን ትዕቢተኛታትን ብዝለመድዎ ቋንቋ ኣዛሪብዎም እዩⵆ

ሰራዊት ትግራይ ዓሚ ከምዚ ሎሚ ፀላእቱ እናሓምሸሸ ዳርጋ ካብ መብዛሕትኡ መሬት ትግራይ ፀራሪጉ ትዕቢቶም ኣንፊሱ መሬት ትግራይ ንፀላእቲ ረመፅ ምዃና ኣመስኪሩⵆ 

እንተኾነ ግን ኲናት ንሰላም ኣይትክእን እሞ መዝሙር ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሕዚ እውን ሰላም እዩ ፤ ናብ ኲናት  ተገዲዱ ዝኣተወ ህዝቢ ትግራይ ሕዚ እውን መፍትሒ ኩሎም ጎንፅታት ኲናት እዩ ኢሉ ኣይኣመነን፡፡ ዋላ እውን ኣብ ዓውደ ኲናት ልዕልና ሒዙ  ምእንተ ሰላም ኢሉ ግዝያዊ ስምምዕነት ተኹሲ ጠጠው ምባል ገይሩ እዩⵆ

ዶ/ር ደብረፅዮን “ናብ ግዝያዊ ጠጠው ምባል ተኹሲ ክነምፅኦም ዝኸኣልና ሳላ ሓይልና እዩ ፤ ተበቲኖም ዝብሉና ዝነበሩ ኣብ ደብረብርሃን ምስበፃሕና ክነጥፍኦም ከምንኽእል ምስፈለጡ እዮም ናብ ተኹሲ ጠጠው ምባል ስምምዕ ዝመፁ ፤  ሕዚ እውን ናብ ዘተ ክእቶ መጀመርያ ኣብ ተኹሲ ስምምዕነት ዝተቐመጠ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ኣለዎ” ኢሎም ነይሮም፡፡

 ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብተመሳሳሊ “ኣብ ዝሓለፈ እዋን ድሌትን መርገፅን ህዝቢ ትግራይ ሰላም እዩ ኢልና ነይርና ሕዚ እውን ካብዚ ዝተፈለየ ድሌት የብልናን እንተኾነ ግና ናብ ዘተ ክንኣቱ እንተኾይና ህዝቢ ትግራይ ናብ ድርድር ዘይቐርቡ ኢሉ ዘቐመጦም ቅድመ ኩነት ክኽበሩ ናይግድን ኢዩ” ይብሉ፡፡

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ግን ሕዚ እውን ካብ ሕሉፍ ኣይተምሃሩን ካብ ፃውኢት ሰላም ተቐቢሎም ዘተግብሩ ዕፅዋን ክልከላን ቀፂሎም ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ክውዳእ ይሰርሑ  ኣለውⵆ

ህዝቢ ትግራይ ድማ ህልውንኡ ንምርግጋፅን ብሰላም ክነብርን እንተኾይኑ ድሕሪ ሕዚ ፀላእቱ በቢእዋኑ እናመፁ ትንዕ ዝብልዎን ዝጭፍጭፍሉን መንገዲ ክዓፁ ዱልዱል ሰራዊት ክሃንፅ ፤ ግዝኣታዊ ሓድነቱ ከረጋግፅ ግድን እዩ ፡፡ ነዚ እውን እዩ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብዝኾነ ይኹን ናብ ድርድር ዘይኣትዩ ኢሉ ካብዘቐመጦም ነጥብታት መሰል ዓረሰ ውሳነ ምርግጋፅ፣ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡ፣ ህዝቢ ትግራይ ግቡእ ካሕሳ ክረክብ፣ ኣብ ዝብሉ ተቐሚጦም ዘለውⵆ

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብልፅግና ኣብ ሰላም ዘለዎ ቅዋም እንትገልፁ“ንሕና ዝኾነ ይኹን ብኲናት ከምዘይውዳእ እናገለፅና ፀኒሕና ኢና ፤ ሕዚ ፓርቲ ብልፅግና ንሰላም ቅሩብ ከምዝኾነ ብሚድያ ንሰምዕ ኣለና እቲ ድሌት ፅቡቕ እዩ፡፡ ንሕና እውን ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘረጋግፅ እንተኾይኑ ሕዚ እውን ቅሩባት ኢና“ ብምባል ገሊፆም፡፡

ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ብወገኑ “ብወገን ክልቴና ናብ ዘተ ንምእታው ድሌታት ከምዘሎ ተገሊፁ እዩ ፤ ናበይ የምርሕ ክንሪኦ ኢና ፤ እንተ ሰራዊትና ግና ኣብ እኹል ምድላውን ዓበይቲ ተልእኾታት ዝፍፅምን ጠንካራ ሰራዊት ሃኒፅና ኢና” ብምባል ተዛሪቡ።  

እሞ ኣብይ ኣሕመድን ጉጅልኡን ነዞም ነጥብታት ተቐቢሎም ዓንቀፍቲ ሰላም ንዝኾኑ ኣደብ ግበሩ ኢሎም  ናይ ኩሉ ግዘ ፃውዒት ሰላም ህዝቢ ትግራይ ተቐቢሎም ዋጋ ሰላም ተገንዚቦም ናብ ሰላም ዶ ይኣትው ይኾኑ? ወይስ ዳግም ምስ ተስፋሕፋሕትን ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን  ብትዕቢት ተወጢሮም እታ ኣብ ቀልቀል ገደል ዘላ ሃገር መሊኦም ንምፅዳፍ ናብ ጥፍኣትን ዕንወትን ንምእታው ንኲናት ይዳለው ይኾኑ?

ብሃ/ስላሴ ገ/ሚካኤል

Previous articleብዘይምቁራፅ ዝቕፅል ዘሎ ጀኖሳይድ
Next articleትግራይ ብደቃ ንደቃ