Home ዜና ”ሰላም ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ጉዳይ ኣማራፂ ዘይኮነስ ጉዳይ መትከላዉን ስትራተጂካዉን ረብሓ ዘረጋግፅ...

”ሰላም ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ጉዳይ ኣማራፂ ዘይኮነስ ጉዳይ መትከላዉን ስትራተጂካዉን ረብሓ ዘረጋግፅ ኢዩ”። ፕረዚዳንት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚኬኤል ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ 6ይ ዘበን 5ይ ስሩዕ ጉባኤኡ የካድ ኣሎ።

838
0

እቲ ቤት ምኽሪ ፀብፃብ እዋናዊ ኩነታትን ኣፈፃፅማ ኣገደስቲ መደባትን ቤት ምኽሪ ፈፃሚት ስራሕ መንግስቲ ትግራይ፣ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ መደባት ፍርቂ ዓመቴ ላ/ቤት ፍርዲ ትግራይ ፣ፀብፃብ ፍሉይ ኦዲት ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር፣ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ መደባት ኤጄንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይን ካልኦትን ዝብሉ ዛዕባታት ቀሪቦም ክዝተየሎም ኢዩ። ፕሬዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ፀብፃብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ዘተ ሰላም ፕሪቶሪያን ድሕንነትን ሰላምን ኣመልኪቶም ናብቲ ጉባኤ ኣቕሪቦም።

ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ብልፍንታዊ ወራር ዝተዓጀበ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ተፈፂምዎ ኢዩ ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ናብ እማመ ሰላም ካብ ዝእቶ ክሕተ ኣዋርሕ ከም ዘቑፀረ ሊፆም ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ ድማ ንህልዉና፣መሰልን ረብሓን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ዝጠቕሙ ዓንቀፃት ፀንቂቕካ ብምቃም ናብ ስራሕ ተኣትዩ ከም ዘሎ ዝገለፁ ዶ/ ደብረፅዮን ጉዳይ ሰላም ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣማራፂ ዘይኮነስ መትከላዉን ስትራተጂካዉን ረብሓ ዘረጋግፅ ብምዃኑ ካብ ፅባሕ እቲ ዘተ ሰላም ጀሚሩ ንተግባራዉነቱ ይስራሐሉ ኣሎ ኢሎም።ኣፈፃፅምኡ ዝምልከት ድማ ብዉሱን መልክዑ ተግባራዊ እናተገበረ ይኸይድ ከምዘሎን ሰብኣዊ ሓገዛት ብዉስን መልክዑ ክኣትዉ፣ፍልልያት ብዝርርብ ንምፍታሕ ባይታ ክመቻቾ ርክባት ተጀሚሮም ምህላዎም እዉን ተዛሪቦም።

ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ዝተፈጠረ ዕፅዋን ክባን ልዕሊ 6 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ ተፀባይ ህፁፅ ሰብኣዊ ረዲኤት ኮይኑ ከም ዘሎ ዝገለፁ ዶ/ር ደብረፅዮን ሰኣን ቀረብ መድሓኒትን ሕክምናዊ ግልጋሎትን በቢመዓልቲ ህፃናት፣ኣዴታትን ሽማግለታትን ሐዊሱ ብሚልዮናት ዝቁፀሩ ወገናትና ኣደዳ ሞትን ሕማማትን ኮይኖም ከም ዘለዉ ኣብሪሆም። ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ድማ ነዚ ህዝቢ ንምድሓን ቀዳምነት ዝተዉሃቦም ዓበይቲ ጉዳያት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ናብ ትግራይ ክኣቱ ይስራሕ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ኩናት ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝብና ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ተመዛቢሉ ከም ዘሎ ዝተሓበረ ኮይኑ ብመሰረት እቲ ዘተ ሰላም ድማ ዛጊድ እቶም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ዳግም ክጣየሹ እናተገበኦም ናብ ስራሕ ግና ከም ዘይተኣተወ ገሊፆም። ምኽንያቱ ድማ እቶም ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ስለዘይወፁ ምዃኑ ሓቢሮም ዶ/ር ደብረፅዮን ።

ብ#ተኽለወይኒ ኪዳነ

Previous articleምስትኽኻል ሕጋዊ ታሪፍ ተሽከርከርቲ ህዝባዊ ግልጋሎት
Next articleከም እኽሊ እየ ኣብ ኣድጊ ተፃዒነ