Home ዜና ሰልፊ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ኣውሮፓ

ሰልፊ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ኣውሮፓ

1140
0

መንግስቲ ጣልያን ንጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ጠጠው ንከብሎ ኣብ ኣውሮፓ ዝነብሩ ዲያስፖራ ትግራይ ሓቲቶም፡፡

ዲያስፖራ ትግራይ ነበርቲ ኣውሮፓ፣ መንግስቲ ጣልያን ንጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝገብሮ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ሓገዝ ጠጠው ንከብሎ ዝፅውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሙሉእ ኣውሮፓ ኣካይዶም፡፡

ዲያስፖራ ትግራይ ነበርቲ ኣውሮፓ ሓምለ 15/2014 ዓ/ም ኣብ ዘካየድዎ ዝተዋደደ ሰላማዊ ሰልፊ ብዘይምቁራፅ ዝቕፅል ዘሎ ጀኖሳይድ ትግራይ ብቕልጡፍ ደው ንክብል ሓቲቶም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ንዝፈፀመን ዝፍፅም ዘሎን ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ መንግስቲ ጣልያን ብቀጥታን ብተዘዋዋሪን ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ናብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ፣ ኢምባሲታትን ቤት ፅሕፈት ቆንስላታትን ጣልያን ብምኻድ ብደብዳበን ብሰላማዊ ሰልፊን ተቓውሞ ኣስሚዖም፡፡

እቲ ናብ መንግስቲ ጣልያን ዝተልኣኸ ደብዳበ “መንግስቲ ጣልያን ንጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝገብሮ ዘሎ ገንዘባዊ፣ ዲፕሎማሲያዊን ወታሃደራዊን ሓገዛትን ስምምዓትን ከቋርፆ ኣለዎ” ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘ ከምዝኾነ ወኪል ርክብ ህዝቢ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኣውሮፓ ኣብ ዝለኣኸልና ሓበሬታ ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቶም ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ርእሰ ከተማ ጣልያን ሮማ ሓዊሱ ኣብ ጀርመን፣ ፈረንሳይ፣ ኔዘርላንድስ፣ ኖርወይ፣ ስዊድን፣ ዴንማርክ፣ ቤልጅየምን ኣብ ካልኦት ከተማታትን ሰልፊ ተቓውሞ ከምዘካየዱ ድማ ወኪል ርክብ ህዝቢ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኣውሮፓ ወሲኹ ገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ እስራኤልን ኣሜሪካን ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይ እውን ንመንግስቲ ጣልያን ብምቅዋም ብሰላማዊ ሰልፊ ድምፆም ከምዘስምዑ ተሓቢሩ፡፡

ዲያስፖራ ትግራይ ነበርቲ ኣውሮፓ ጎኒ ንጎኒ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት መኸተ ሰለስተ ንምዕዋት ኣብ ምርብራብ ከምዝርከቡ እውን ወኪል ርክብ ህዝቢ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኣውሮፓ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይ ድምፂ ህዝቦም ብምዃን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ምክያድን ንመኸተ ዝውዕል መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ኣብ ምስላጥን ምህላዎም ድማ ተገሊፁ፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ

Previous articleክትባት ፀረ ቫይረስ ኮረና
Next articleብሕማም መገረም ዝሞቱ ወገናት