Home ዜና ሰበር ዜና ዓወት – 3 መስከረም 2015 ዓ/ም

ሰበር ዜና ዓወት – 3 መስከረም 2015 ዓ/ም

3367
0

ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ንምብራስን ንምፅናትን ዓሊሙ ብኩሉ ግንባራት ዝጀመሮ መጠነ ሰፊሕ ወራር ብልዑል ፅንዓት ሰራዊትና ይምከት ኣሎ።

ፀላኢ ንኣዋርሕ ሙሉእ ምድላው እናገበረ ድሕሪ ምፅናሕ ትግራይ ዳግም ንምውራር ብብዙሕ ግንባራት ብዓይነቱ ዝተፈለየ ሰፊሕ መጥቃኦቲ ይገብር ፀኒሑን ኣሎን።  ፀላእትና ናይ ኢትዮጵያ ሙሉእ ሃፍቲ፣ ስሩዕን ዘይስረዕን ሓይሉን ዓቕሙን ኣኽቲቱ፡ ባዕዳዊ ወራሪ ስርዓት ኢሳያስ እውን ናይ ኤርትራ ኩሉ ዓቕሙን ትኽእሎኡን ተጠቒሞም ናይ ክልተ ሃገራት ተኽእሎን ዓቕምን ፀንቂቖም ብምውፋር ህዝቢ ትግራይ ናይ ምጥፋእ ገፊሕ ወፍርን ወራርን ይገብሩ ፀኒሖም። እዚ ብትሕዝትኡን ስፍሓቱን ዝተፈለየን ልዕሊ ሰለስት (3) ሰሙን ለይትን ቀትርን ክካየድ ዝቐነየ ከቢድ ውግእ ብመስተንክራዊ ፅንዓትን ተጋድሎን ጅግና ሰራዊትና ውጥን ፀላእቲ ክብርዕን ይገበር ኣሎ።

 በዚ መሰረት ፀላኢ ብግንባር ደደቢት ልዕሊ 23 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓደ መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊት፣ 3 ክፍላተ ሰራዊት ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይልን ብድምር 27 ክፍላተ ሰራዊትን ብኣሽሓት ዝግመት ፋኖን ሚልሻን ዕርዲ ሰራዊትና ሰይሩ ናብ ሽረ ክኣቱ ዘምባሁቕ ዝነበረ ሓይሊ ፀላኢ ተሰይሩ ኣሎ። ጅግና ሰራዊትና ድሕሪ ናይ ዓሰርተ (10) መዓልቲ  ዕዉት ናይ ምክልኻል ውግእ ብ01 መስከረም 2015ዓ.ም ናብ ሙሉእ ፀረ ምጥቃዕቲ ብምስጋር ኣብዚ ዝነበረ ሓይሊ ተደምሲሱ ኣሎ፡ ዝተረፈ ድማ ተበታቲኑ ሃዲሙ ኣሎ።

ኣብ ግንባር ኣድያቦ ካብ 26 ነሓሰ 2014ዓ.ም ጀሚሩ ብ ሰለስተ (3) ግንባራት ማለት እውን ብፍቕያ ገብረ፣ ብዋዕላ ንህብን ሕረትን ናብ ዓዲ ኣውዓላ፣ ብኡ ኣቢሉ ሽረ ንምቁፅፃር ዝተገብረ ናይ ኢትይጵያ 9 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ልዕሊ 3000 ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይልን ናይ ሻዕብያ ከዓ 24 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊትን ክልተ (2) መካናይዝድ ክፍላተ ሰራዊትን ብምስላፍ ንልዕሊ 10 መዓልቲ ገፊሕ ምጥቃዕቲ ክገብር ፀኒሑ ኣሎ። ሓየት ሰራዊትና ናይዞም ወረርቲ ጥሙር ሓይሊ ብዘተኣማምን ንምስባር ዝጥዕሞ ውሱን ናይ ቦታ ምምሕያሽ ብምግባር ዘዝመፀ ሓይሊ ብልዑል ብልሓትን ጥበብን ብምምካት ምዉት፣ ቁሱልን ምሩኽን ብምግባር ውጥን ደመኛታት ፀላእትና ክብርዕን ይገብር ኣሎ።

ብግንባር ዓዲ ኣርቃይ ካብ 28 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ልዕሊ 6 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓደ መካናዝድ ክፍለ ሰራዊት፣ 3 ክፍላተ ሰራዊት ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይልን ማእለያ ዘይብሉ ሚልሻን ፋኖን ብምኽታት ርብርብ ክገብር ቀንዩ ኣሎ። ጅግና ሰራዊትና ነዚ ብተደጋጋሚ እናተሃንደደ ዝቐነየ ሓይሊ ፀላኢ እናቐሽመደ ኣብ ዝነበሮ ደው ክብል ገይርዎ ኣሎ።

ብግንባር ደቡብ ካብ 04 ጳጉሜን 2014ዓ.ም ዝቐፀለ ናይ ፀላኢ ፈተነ ልዕሊ 18 እጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ 4 ክፍላተ ሰራዊትፍሉይ ኮማንዶ ፣ ሓደ ክፍለ ሰራዊት ሪፐብሊካን ጋርድ፣ ሓደ ክፍለ ሰራዊት መካናዝድ፣ 4 ክፍላተ ሰራዊት ናይ ኣምሓራ ፍሉይ  ሓይሊን ብኣሽሓት ዝግመት ፋኖን ሚልሻን ኣሰሊፉ ብኣንፈት ወርቄ፣ ጎብዬ፣ ባላጎን ወንዶች በርን ከባቢኡን ተደጋጋሚ ምጥቃዕቲ ክገብር ቀንዩ ኣሎ። ጅግና ሰራዊትና ነዚ ደጋጊሙ ዝመፅአ ፀላኢ ብዘይምሕረት ቀሽሚዱ ወርቄ፣ ኣለ ውሃ፣ ጎብዬ፣ ባላጎን ከባቢኡን ተቖፃፂሩ ደው ኢሉ ኣሎ።

ብካላእ ገፅ ብግንባር ሰቖጣ ካብ 25-30 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ዝቐፀለ ልዕሊ 13 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓደ ክፍለ ሰራዊት መካናይዝድ፣ 4 ክፍላተ ሰራዊት ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይልን ብበዝሒ ፋኖንን ሚልሻን ኣኽቲቱ ብኣበርገለ ገይሩ ሳምረን ከባቢኣን ንምቁፅፃር ዓሊሙ ተደጋጋሚ ፈተነታት እናገበረ ፀኒሑ ኣሎ። ሕዚ እውን ክቕፅል ይሓስብ ኣሎ። ጅግና ሰራዊትናን ሰራዊት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣገውን ብሓባር ብምዃን በዚ ግንባር ዝመፀ ፀላኢ ብምክልኻልን ብፀረ ምጥቃዕትን ክዳኸም ብምግባር ፀላኢ ክዕገስ ገይርዎ ኣሎ።

ኩሉ ዝክኣለካ ጅግና ሰራዊትና፡ ብዓል ፅኑዕ እምነትን መትከልን ሰራዊትና፡ ዋሕስ ህላዌን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝኾንካ ሓየት ሰራዊትና፡ ናይ ክልተ ሃገራት ሙሉእ ዓቕምን ሓይልን ናይ ምድርን ሰማይን ኩሉ ዓይነት ተጠቒሞም ህዝቢ ትግራይ ከብርሱ ንዝመፅኡ ወረርቲ ዝኾነ ሰብ ካብ ዝግምቶ ንላዕሊ ምስ ፀላእቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ንተፈጥሮ እውን በዲህኻ ብመስደሚም ፅንዓትካን ጅግንነትካን ተግባር ፀላእትና ክመክን ትገብር ኣለኻ። ብደምካ ንብዓት ኣዴታት ትግራይ ንብዓት ሓዘን እንተይኮነስ ንብዓት ታሕጓስን ኩርዓትን ክኸውን እዩ። ብመስዋእትኻ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ኮሪዑ ክነብር እዩ። ብኣካላዊ መጉዳእትኻ ዕሸላትን ሰገናትን ትግራይ ክጉይሉ፣ ክጫድሩ እዮም። እዚ ትገብር ዘለኻ ኢኻ እሞ ንተግባርካን ቅያኻን ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዘለዎ ክብሪ በዚ ኣጋጣሚ ክገልፀልካ ይፈቱ።

 ብፈተናን ፀበባን ፈተኽ ዘይትብል ምንጪ ኩሎም ፅንዓትናን ጥንካረናን ዝኾንካ ሓላል ህዝብና፡ ውላድካ ዝኾነ ጅግና ሰራዊትና እዚ ኩሉ ትኣምራዊ ቅያ ክፍፅም ኩሉ ክኢልካ፣ ክግበር ዝግብኦ ገይርካ ኢኻ።  ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ነዚ ኩሉ ፃዕርኻ፣ ቃልስኻን ትዕግስትኻን ዘለዎ ክብርን ናእዳን እናገለፀ ሕድርኻን ባሕግኻን ኣብ መወዳእታ ንምብፃሕ ሕዚ እውን ብዝለዓለ ተወፋይነት ከምዝጋደል በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግፀልካ ይፈቱ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!

ትግራይ ትስዕር!!

ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ

03 መስከረም 2015 ዓ.ም

መቐለ

Previous articleጋዜጣዊ መግለፂ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ
Next articleጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ሎሚ 4 መስከረም 2015 ዓ/ም ንጉሆ  ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ደብዳብ ድሮን ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ንብረትን  ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሑ ፡፡