Home ዜና ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝተፀገሙ ወገናት

ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝተፀገሙ ወገናት

982
0

ዘርኡ ገብረሊባኖስ ቢዝነስ ጉሩፕ ብልዕሊ 3 ሚልዮን ብር ዘዋግኡ ን1737 ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣበርኪቱ።ሰገን ሙሴ መሓሪ ተምሃራይ ካልኣይ ክፍሊ እዩ።

ዕፅዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ስዒቡ ግና ብዛዕባ ትምህርቲ ዝግደሰሉ ወነ የብሉን።ከም ሙሴ ዝበሉ ሚልዮናት ተምሃሮ ትግራይ ብሰንኪ ሰብ ስራሕ ዓፀቦ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ የለውን።

ገሊኦም ድማ ይሞቱ ኣለው።ዘርኡ ገብረሊባኖስ ቢዝነስ ጉሩፕ ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ-ሓቂ ዝርከቡ 150 ተምሃሮ መዓልታዊ ሓደ ግዘ ይምግቦም ከምዘሎ ግዝያዊ ሓላፊ ተጠቃምነት ማሕበረሰብ እታ ክፍለ ከተማ ኣይተ ገብረዋህድ ኣስገዶም ሓቢሮም።

እቲ ቢዝነስ ግሩፕ ናብ ኩለን ኣብያተ እምነትን ንውሱናት ሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ትግራይን እውን ሓገዝ ሂቡ።ብሓፈሻ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ቢዝነስ ግሩፕ ልዕሊ 3 ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ሰብኣዊ ሓገዝ ን1737 ወገናት ከምዘበርከተ ኣካያዲ እቲ ቢዝነስ ግሩፕ ኣይተ ኣብርሃም ታደሰ ገሊፆም።

ብኤፍሬም ረደሀይ

Previous articleብሰንኪ ፋሺስታዊ ጉጅለ ካብ ዓለም ዝተገለለ ህዝቢ ትግራይ
Next articleምርግጋፅ ሓለዋ ፀጥታ ከባቢ