Home ዜና ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዕርቡን

ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዕርቡን

815
0

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ሰብኣዊ ሓገዝ መትሓዚ ይገብሮ ከምዘሎ ማሕበረሰብ ከረዩ ገሊፆም፡፡

ብዶባዊ ጎንፂ፣ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ድርቅን ከቢድ ጉድኣት ይበፅሖም ምህላዉ ንኣዲስ ስታንዳርድ ዝገለፁ ማሕበረሰብ ከረዩ ናብቲ ከባቢ ዝመፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ከም መትሓዚ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሽዋ ወረዳ ፈንታሌ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ከረዩ፤ ግዳይ ተደጋጋሚ ድርቅን ምፍንቓልን ይኾኑ ምህላዎም ዘዘኻኸረ ኣዲስ ስታንዳርድ፤ ብሰንኪ ድርቂ ይገጥሞም ካብ ዘሎ ከቢድ ጥሜት ብተወሳኺ ካብ ክልል ኣምሓራ ተሳጊሮም ኲናት ብዝኸፈቱሎም ዕጡቓት ህይወቶም ንሓደጋ ይሳጣሕ ኣሎ፡፡

ከም ማሕበረሰብ ባህሎምን እምነቶምን ኣኽቢሮም ኣብ ዝጓዓዝሉን ልምዶም ኣብ ዝገልፅሉን እዋን ብዕጡቓት ሽመልስ ኣብዲሳ ከም ዝተጨፍጨፉ ዘዘኻኸሩ ማሕበረሰብ ከረዩ፤ እቲ ተግባር ፀረ እምነትን ባህልን ኦሮሞ ምዃኑን ኣባገዳ ምቕታል ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዝወረደ ጥፍኣት ምዃኑ ኣረጋጊፆም፡፡

ድርቂ ከረዩ

ዝናብ ክዘንበሉ ካብ ዝግባእ እዋን 5 ኣዋርሕ ብምድንጓዩ ኣብ ልዕሊ ነበርቲን እንስሳን ወረዳ ፈንታሌ ከቢድ ሓደጋ ኣንፀላሊዩ ኣሎ ዝበሉ ማሕበረሰብ ከረዩ፤ ኣብ ከምዙይ ዝበለ ስቓይ ንዘሎ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዕርቡን ብዝጥቀም ጉጅለ ይመሓደሩ ምህላዎም ድማ ፀገሞም ድርብ ኮይንዎም ምህላው ምስ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ገሊፆም፡፡

ንድሕንነቱ ክብል ሮባ ኢብራሂም ክብል ስሙ ብምቕያር ምስ ኣዲስ ስታንዳርድ ፃንሒት ዝገበረ ተወላዲ ከረዩ ኦሮሞ ከምዝገለፆ ብመሰረት ባህሊ ኦሮሞ ባህሎም ክገልፁ ዝተረኸቡ መራሕቲ እቲ ማሕበረሰብ ብዕጡቓት ሽመልስ ኣብዲሳ ምቕታሎም ስዒቡ ነበርቲ ኣዝዮም ከም ዝተደናገፁን ምስ መራሕቲ እቲ ጉጅለ ድማ ናብ ህልኽ ዘምረሐ ርክብ ምፍጣሮምን ገሊፁ፡፡

ጥሪቶም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣንቀሳቒሶም ከየድሕኑ ካብ ክልል ኣምሓራ ብዝሳገሩ ፋኖ ዝተብሃሉ ሸፋቱ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ምህላዉ ዝገለፁ ሮባ ኢብራሂም፤ ድሕሪ መቕተልቲ ባህላዊ መራሕቲ ማሕበረሰብ ከረዩ እቲ ከባቢ ኣብ ዝኸፍአ ዘይምርግጋእ ኣትዩ ምህላዉ ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ድርቂ ዝኸፍአ ምዃኑን ማሕበረሰብ ከረዩ ንዝኸፍአ ሓደጋ ተሳጢሑ ምህላዉን ዝገለፀ ሮባ ኢብራሂም፤ ሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ማሕበረሰብ ከረዩ ንምድሓን ዝገበሮ ፈተነ ዘይምህላዉን፤ ዝመፅእ ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ከም መትሓዚ ይጥቀመሉ ምህላዉን ክሳብ ሐዚ ድማ 5 ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ህፃናት ተዓጊቶም ከም ዝተወሰዱን ሓቢሩ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleሰራዊት ተጋደልቲ ሓቦን ፅንዓትን ክወርስ ዝገበረ ህዝቢ
Next article2ይ ወራር ዘርኢ ምጥፋእ (ጀኖሳይድ ትግራይ)