Home ስፖርት ሰብ ክልተ ዓለም

ሰብ ክልተ ዓለም

1176
0

ግዚኡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2005 እዩ፤ ምዕራብ ኣፍሪካዊት ሃገር ኮትዲቫር ኣብ ሕድሕድ ኲናት ተሸሚማ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ዜጋታታ ዝሰኣነትሉ ዓመት። ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተወለዐን ሕድሕድ ኲናት ብዙሓት ሞይቶምን ብርክት ዝበሉ ድማ ሃገሮም ገዲፎም ካብ ምስዳዶም ዝሰገረ ቑጠባዊ ዓቕሚ እታ ሃገር ተዳኺሙ ኮትዲቫር ድማ ከም ሃገር ምቕፃል ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ፡፡

ብቅልውላው ሃገሩ ቅሳነት ዝሰኣነ ካብ ኮኸባት ተፃወቲ ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዲደየር ድሮግባ በቲ ዓመት ንሃገራዊት ጋንታ ኮትዲቫር ክፃወት ዕድመ ኣብ ዝቐረበሉ ግዜ ሃገረይ ኣብ ሕድሕድ ኲናት ኣትያ ደቂ ሃገረይ እናሞቱ ብምንታይ መልክዕ ዩ ማልያ ኮትዲቫር ወድየ ሜዳ ዝወርድ? ብምባል ኣብታ ሃገር ዝነበረ ኲናት ደው ክብል ተማሕፀነ፡፡

ህዝቢ ኮትዲቫር ተጎዲኡ እዩ ሐዚ ከም ብሓዱሽ ክንጅምር ኣለና ኢሉ ንተፃባእቲ ሓይልታት እታ ሃገር ፀገሞም ብዘተ ክፈትሑ ፃዊዒት ዘቕረበ ዲዲየር ድሮግባ ይቕርታን ምርድዳእን ክሰፍን ኣለዎ፣ ብሓባር ክንነብር እዩ ዝግባእ፣ ስፖርተኛታት ሰላም ክንሰብኽ ኣለና፣ ህዝብና ድማ ክቕበለና እዩ፣ ኲናት ምክያድ እቲ ዝቐለለ እዩ፣ ስለዚ ሰላም ክነቕድም ኣለና፣ ነዚ ድማ ብሓባር ክንሰርሕ እዩ ዝግባእ ኢሉ ብመሰረት ዘቕረቦ ፃዊዒት ሰላም ድማ ተቀባልነት ረኸበ።

ኣብ ሃገሩ ብዘለዎ ተቐባልነት ኣብ ግምት ብምእታው ስፖርት ንሰላምን ምርግጋዕን ኮትዲቫር ኢሉ ዝተበገሰን መትከላትን ዕላማታትን ስፖርት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ሰላም ሃገሩ ዝወሓሰን ድሮግባ ኣብ ክልተ ቦታ ዝተመቐሉ ሓይልታት እታ ሃገር ብረቶም ኣውሪዶም ክዘራረቡ ብምግባር ኣብ ታሪኽ ኮትዲቫርን ስፖርት ዓለምን እናተዘከረ ዝነብር ተፃወቲ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መንጎ ሃገራት ሩስያን ዩክሬንን ዝካየድ ኣብ ዘሎ ህይወት ኣሸሓት ክሓልፍ ዝገብር ዘሎ ኲናት እውን እንተኾነ ስፖርተኛታት ሓደ ፀግዒ ሒዞም ካብ ምድጋፍ ወፂኦም ኣፋላላይ ንምፅባብ ስፖርት ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ ብምባል ፍሉጣት ስፖርተኛታት ክልቲኤን ሃገራት ይኹን ካልኦት ስፖርት ንሰላም ምውዓል ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ፃውዒቶም የቕርቡ ኣለው።

ካብ ውልቐ ስፖርተኛታት ሰጊሩ ዓበይቲ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝን ካልኦት ሃገራትን እውን ተፃበእቲ ሓይልታት ንሰላምን ንሰብኣዊ ሓገዝን ቐዳምነት ክህቡን ኣፈላላዮም ብዘተ ክፈትሑን ፃውዒት ምቕራብን ሰላም ምስባኽን ቐፂለናሉ ኣለዋ።ብኣንፃሩ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ስፖርት ንሰላም ይሰብኽ ይሰርሕ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብግብሪ ዘይትግበረላን ነዛ ሃገር ወኪሎም ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዓለም ተሳቲፎም ዓወታት ዘመዝገቡ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ንሰላም ቀዳምነት ሂቦም ሰላም ክሰብኩ ይትረፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ወራርን ግፍዒን ተጠናኺሩ ክቕፅል እንትዛረቡ እዮም ተሰሚዖም።

ኣትሌታት ሃይለ ገብረስላሴ፣ ገዛህኝ ኣበራ፣ ፈይሳ ለሊሳን ማርቆስ ገነቴን ድማ በዚ መዳይ ተፀራሕቲ ኣትሌታት እዮም። እዞም ኣትሌታት ህዝቢ ትግራይ ብድሮናት እንትጭፍጨፍ ፣ ብክባን ዕፅዋን ሰኣን መድሓኒት እንትሞት ኣዴታት እንትዕመፃ ኣብ ክንዲ ሰላም ኲናት ብምስባኽ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ምዃኖም ድማ ኣረጋጊፆም፡፡በቲ ሓደ ገፅ ሰላም ዘቐድም ስፖርተኛ ዝብል መፀውዒ ሒዞም ኲናት ዝሰብኩ ስፓርተኛታትን ጋንታታት ኩዕሶ እግሪን ኣብ ዘለዋ ኢትዮጵያ ብኣንፃሩ ኣትሌት ደራርቱ ቱሉን ድማ ሰላም ትሰብኽ ኣትሌት ኮይና ተረኺባ፡፡ብምዃኑ እውን ኲናት ኣብ ምስባኽ ዝተፀመዱ ፍሉጣት ስፖርተኛታት እዛ ሃገር ካብ ስፖርተኛታት ኮትዲቫር፣ ሩስያን ዩክሬንን ከምኡ እውን ኣትሌት ድራርቱ ቱሉን እንታይ ትምህርቲ ይወስዱ?

ብክብሮም ተስፋይ

Previous articleመድሓኒት ምግብን ስለዝስኣንኩ ኣብ ጎደና ወፂኣ ክልምን ተገዲደ- በዓል ሞያ ኮንስትራክሽን ኣይተ የማነ ብስራት፡፡
Next articleምርኢት ፍርያት ሕርሻ መቐለ