Home ዜና ሰናይ ተግባር ዲያስፖራ ትግራይ

ሰናይ ተግባር ዲያስፖራ ትግራይ

1034
0

ዲያስፖራ ትግራይ ብሰንኪ ዘራያት ወረርቲ ተፈናቒሎም ኣብ ከተማ ዓብዩ ዓዲ ምግባረ ሰናይ እመሆይ ፀጋ ንዝርከቡ ዝተፀገሙ ወገናት ሓደ ሚልየን ብር ሓጊዞም፡፡

ኣይተ ሃይለ ፀጋይ ኣካያዲ ስራሕ ምግባረ ሰናይ እመሆይ ፀጋ እዮም፡፡ ትካሎም ብሰንኪ ዘራያት ወረርቲ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ንዝተመዛበሉን ኣብ ፀገም ዝወደቑን ወገናት ኣብ ምሕብሓብ ከም ዝርከብ ብምግላፅ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ጎኒ ምግባረ ሰናይ እመሆይ ፀጋ ኮይኖም ንዝፍፅምዎ ዘለው ሰናይ ተግባር ድማ ኣመስጊኖም፡፡

ወ/ሮ ለተሊባኖስ ተካ ነባሪት ከተማ ዓብዩ ዓዲ፣ ኣይተ በሪሁ ግርማይን ወ/ሮ ምሕረት ፅጋብን ድማ ካብ ወረዳ ቓፍታ ሑመራ ዝተመዛበሉ ዝተፀገሙ ወገናት እዮም፡፡ ብፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፣ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኣራዊት ሰራዊት ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዝበፀሖም መስካሕክሒ ግፍዒ ህይወቶም ክጎሳቐልን ንዕለት ዝበልዕዎ ክስእኑን ከም ዝገበሮም ብምሕባር ዲያስፖራ ትግራይ ነቲ ኣብ ፀገም ዝወደቐ ወገኖም ንምሕጋዝ ዝፍፅምዎ ዘለው ሰናይ ተግባር ድማ ኣመስጊኖም፡፡

ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ዲያስፓራ ትግራይ ውፁዕ ህዝቦም ፍትሒ ክረክብ ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ካብ ምክያድ ብተወሳኺ ንዝተፀገሙ ወገኖም ዝገብርዎ ዘለው ገንዘባዊ ሓገዝ ብሽም ምምሕዳር ከተማ ዓብዩ ዓዲ ዘመሰገኑ ድማ ከንቲባ እቲ ከተማ ኣይተ ዮሃንስ ገ/ኣምላኽ እዮም፡፡

ኣብ ትሕቲ ምግባረ ሰናይ እመሆይ ፀጋ ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 24 ሽሕ ተመዛበልቲ ወገናት እቶም ኣብዝሓ አረጋውያን፣ ጥኑሳት፣ ሓራሳትን ህፃናትን ከም ዝኾኑ ካብቲ ትካል ዝተረኸበ መረዳእታ ይሕብር፡፡

ብሕሉፍ ካሕሳይ

Previous articleምቁራፅ ምግቢ ንተሓከምቲ ሆሰፒታል መቐለ
Next articleወፍሪ ምትኻል ፈልሲ