Home ዜና ሰይጣን ከምስል የእዊ…

ሰይጣን ከምስል የእዊ…

1232
0

ሰይጣን ከምስል የእዊ ሓሳዊ ከምስል ይፀዊ ከምዝባሃል ካብ #ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዓለም ከምዘታለላን ኢትዮጵያ ብሓሶት መዋቅራዊ #መንግስቲ ክትልለ ዝገበረ ጉጅለ ፋሽስት #ኣብይ ኣሕመድ ንህዝቢ ትግራይ ዘጋጠሞ ኩለ መዳይ ዓፀቦ ክፈትሕ ኣለኒ ኢሉ እንትትዛረብ ግዝያዊ ተፃብኦ ደው ኣቢለ #ሰብኣዊ ሓገዝ ብመሬትን ኣየርን ከብፅሕየ ምባሉ ካብቲ ቅድሚ ሐዚ የካይዶ ዝፀንሐ ተግባር ምትላል ዝተፈለየ ኣይኮነን፡፡ ምንም እኳ ዝተፈለየ #ዲፕሎማሰኛታትን ኣንቃሕቲ ህዝብን ዘረባ ኣብይ ኣሕመድ ሰሚዖም ተስፋ ዝገበሩ እንትኾኑ ልሙድ ተግባር ምትላል ግና ኣይተረፈን፡፡
ንብሉምበርግ ሓዊሱ ዝተፈላለያ ማዕኸናት ዜና ዓለም ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ንዓመትን ፈረቓን ኣብ ከቢድ ዓፀቦ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፃዓና መዃይን እንትፅበ ብኣንፃሩ ግና #ሰራዊት ዝፃዓና ኣውቶብሳት ናብ ግዝኣት ትግራይ ምፅግዐን ዝገርም ከም ዝኾነ ትኹረት ስሒቡ ይርከብ፡፡
ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ምንዋሕ ዝርከብ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ #ሰራዊት ትግራይ ብክልል #ዓፋር ኣቢሉ ናብ መቐለ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣቱ የዐንቅፍና ኣሎ ዝብል ጉጉይ ሓቲት ህዝቢ ዓለም ከታልል ኣንተፈተነ እውን ሐዚ ግና ሽርሑ እናተገመተ ምምፅኡ ኣይተረፈን፡፡
ብስሩ እውን ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ተማሂረዮ ዝብሎ ብ1977 ዓ/ም ስርዓት ደርጊ ዝወደቐ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምፍቃዱ ህወሓት ንመሳርሒ #ኲናት ተጠቒሙሉ እዩ ዝብል እዩ፡፡
ብተመሳሳሊ ምክትል እታማዦር እቲ ጉጅለ ኣበባው ታደሰ ሓደ ምዕራፍ ኲናት ወዲእና ን2ይ ምዕራፍ ንዳለ ኣለና ከምዝበለ ይዝከር፡፡
ኣብዚ ወርሒ መጋቢት ጉባኤ ዘካየደ ቤት ምኽሪ ክልል #ኣምሓራ ድማ ኣብዛ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ #ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ክንዲ ብሰላማዊ ልዝብ ብሓይሊ ንምፍታሕን መሬት ትግራይ ንምውራርን ምስ ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ብምውዳድ ትሉም ምንቅስቃስ የካይዱ ከምዘለዉ ምግላፆም ይዝከር፡፡ ካብዚ ተላዒልካ ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱን ፀገም ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ልዝብ ንምፍታሕ ዘይኮነስ ዳግም ናብ ህልቂት ንምእታው ይዳለዉ ምህላዎም ክስሓት ዘይብሉ ሓቂ እዩ ፡፡
ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብውሻጣ ውሽጢ ሽርሒ እናፈሓሰ ብኣፍ ግና ንህዝቢ ትግራይ ሓላይ መሲሉ እንተተዛረበን ግዝያዊ ተፃብኦ ደው ኣቢለ እንተበለን ምናልባት ሰነዳት ሕጊ ኤስ 3199 ከምኡ እውን ኤች ኣር 6600 ካብ ተፈፃምነት ንምትራፍ ዝዓለመ ከም ዝነበረ ዘመላኽት እዩ፡፡

ጥሜት መታለሊ ደኣም ኮይኑ እንበር ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝበሎ ፈፂሙ ኣብ ሓሳቡ እውን ፀኒዑ ከም ዘይፈልጥን ንዋና ፃሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም #ኣንተንዮ ጉተሬስ ዘታለለሉ ኣጋጣሚ ነይሩ እዩ፡፡

ሳይጣን ከምስል የእዊ ሓሳዊ ከምስል ይፀዊ ዝብሉ ፈላጣት ከምዚ ፋሽስታዊ ጉጅለ ዝኣመሰለ ኣካል እንተጋጥም እዩ፡፡
ብደረሰ ብርሃነ

Previous articleዕፅዋ ዝፈጠሮ ስእነት መድሓኒት
Next articleድሕሪ እቲ ሰሙን ዘቑፀረ ምርድዳእ ተፃብኦ ደው ምባል ሕዚ እውን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ናብ ትግራይ ምግቢ ከእትዎ ከምዘይካኣላ ተሓቢሩ፡፡