Home ዜና  ሳዕቤን ስእነት መድሓኒት

 ሳዕቤን ስእነት መድሓኒት

1462
0

ብሰንኪ ስእነት መድሓኒት ህይወቱ ዝሓለፈ ኣመራርሓ ጋንታ ስፖርት ስራሕቲ ንግዲ ጉና ጨርቆስ ገብሩ ስድርኡ፣ ኣድነቕቱን ቤተሰብ ስፖርትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ መቐለ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ተኻይዱ፡፡

ኣመራርሓ ጋንታ ብሽክሌታ ስራሕቲ ንግዲ ጉና ዝነበረ ጨርቆስ ገብሩ ብ1955 ዓ/ም ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ዝተወለደ እንትኸውን ኣብ ታሪኽ ብሽክሌታ ድሙቕ ስራሕ ብተግባር ዘመስከረ  ስፖርተኛ እዩ ነይሩ፡፡ ካብ 1984 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ህይወቱ ዝሓለፈሉ እዋን ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ጉና ኣሰልጣኒን መራሒ ጋንታን ብምዃን ኣብ ዓለም ለኸ ውድድራት ዝነኣድ ውፅኢት ዘመዝግቡ ብሽክሌተኛታት ከምዘፍረየ ህይወት ታሪኹ የዘንትው፡፡

ኣብ ዕቤት ብሽክሌታ ትግራይ ድሙቕ ታሪኽ ዝሰርሐን ክሳብ መላእ ፀወታታት ኣፍሪካ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ብምስታፍ ብ1996 ዓ/ም ብኣሰናዳእነት ናይጀርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ንሕርይቲ ጋንታ ብሽክሌታ ኢትዮጵያ ብምምራሕ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ነሓስ ሜዳልያ  ዝተሸለመ ኣመራርሓ ከምዝነበረ ድማ ፌደሬሽን ብሽክሌታ ትግራይን መሓዝቱን ሓቢሮም፡፡

ጨርቆስ ገብሩ ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን መድሓኒት ብምስኣኑ ሕዳር 14/2015 ዓ/ም ኣብ መበል 60 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ እዩ፡፡ ስድርኡን ቤተሰብ ስፖርትን ኣብ ዝተረኸብሉ ድማ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ጨርቆስ ገብሩ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፌደሬሽን ብሽክሌታ ትግራይ ኣይተ በሪሁ መስፍን ጨርቆስ ገብሩ ኣብ ታሪኽ ብሽክሌታ ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ዕዙዝ ስራሕ ከምዝፈፀመ ገሊፆም፡፡

ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ብርክት ዝበሉ ስፖርተኛታት ትግራይ ግዳይ ሞትን ሕማምን ከምዝኾኑን ኣብ መሰረተ ልምዓት ስፖርት ትግራይ እውን ከቢድ ዕንወት ከምዝበፅሐን እውን ኣይተ በሪሁ ወሲኾም ኣብሪሆም፡፡

ብሞት ስፖርተኛ ጨርቆስ ገብሩ መሪር ሓዘን ዝገለፁ ስድርኡን ብቐረባ ዝፈልጥዎ  ቤተሰብ ስፖርት ትግራይን ታሪኹ ኣብ ምዕቃብን ስፖርት ትግራይ ኣብ ምስፋሕን በርቲዖም ከምዝሰርሑ ድማ ተዛሪቦም፡፡

ንጨርቆስ ገብሩ ኣልዕሊልና እምበር ብምክንያት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተወለዐ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ህይወት ብርክት ዝበሉ ስፖርተኛታት ትግራይ ሓሊፉ እዩ ኣትሌት መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ዝነበረትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምላዃዊ ውድድራት ተሳቲፋ ዓወት ዘመዝገበት ኣትሌት ሳራ ግርማይ ተወሊዳ ኣብ ዝዓበየትሉ ወረዳ ዓድዋ ከባቢ ማርያም ሸዊቶ ብኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተቐተለት ዝዝከር እዩ፡፡

ብገ/ሄር ታደለ

Previous articleህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ መበል 55 ጉባኤ ኣፍሪካ ብሄራዊ ኮንግረስ ተረኺቡ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ከምዘሕለፈ ተፈሊጡ።
Next articleጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ፌደራል መቐለ ኣትዮም