Home ዜና ስሑት ስልሒት ኲናት ኣብይ ኣሕመድ

ስሑት ስልሒት ኲናት ኣብይ ኣሕመድ

1248
0

ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ግዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ኣፍሪሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወሊዕዎ ዘሎ ኲናት፤ ብጥምየት ንዝተፀገመ ህዝቢ ንምምብርካኽ ትኹረት ዝገበረን ውፅኢት ዝተሰሓሓተ ስልሒት ምዃኑ ምሁር ታሪኽን ተንታኒ ፖለቲካን ዶክተር ኢታና ሃብቴ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብዙሓት ግንባራት ተኸፊቶም ኣብ መፃብብ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከም ብሓዱሽ ኲናት ምኽፋቱ ኣይገርምን ዝበሉ ዶክተር ኢታና ሃብቴ፤ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ መዋእለ ህፃናትን መንበሪ ሰላማውያን ሰባትን ዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር ድማ መግለፂ ፋሽስትነት እቲ ጉጅለ ምዃኑን ሓቢሮም፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ካብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት ትግራይ ተፀራሪጉ ምውፅኡ ስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ኣጥሚኻ ንምምብርካኽን፤ ርእሱ ክደፍእ ንምግባርን ልዑል ርብርብ ምክያዱ ዘዘኻኸረ ዶክተር ኢታና ሃብቴ፤ እዚ ኲናት ንውድቀት ኢትዮጵያ ዘቀላጥፍን፤ ከም ስርዓት ንምፍራስ መንገዲ ዝፀርግን ምዃኑ ገሊፁ፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኲናት ዝወለዐሉ ቀንዲ ምኽንያት፤ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ብጥሜት ተዳኺሙ ኢዱ ክህብ እዩ ካብ ዝብል ዝንቡዕ ስልሒት ምዃኑ ዝገለፀ ዶክተር ኢታና ሃብቴ፤ ብጭቡጥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ግና ኣብ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ብዙሕ ግንባራት ምዃኑ ሓቢሩ፡፡

እቲ ፋሽስት ጉጅለ ግዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ጥሒሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወለዖ ኲናት፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኩሉ ዝሓቖፈ ፖለቲካዊ ዘተ ንኽህሉ ይቐርበሉ ንዘሎ ፃውዒት ዘተ ሰላም ነፂጉ ትኹረት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሓደ ግንባር ጥራይ ንኸተኩር ንኣንፈት ትግራይ ዝጀመሮ ኲናት ክዕወተሉ ኣይኽእልን ዝበለ ዶክተር ኢታና፤ እቲ ኲናት ብደረጃ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ስቓይን ኣበሳን ዝውስኽ ምዃኑ ጠቒሱ፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ወሊዕዎ ዘሎ ሓዱሽ ኲናት ነቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ስርዓት ፎርማጆን ኢድ ኣእትዮምሉ ዝተሓምዞቐ ኲነት ጌርዎ ምህላዉ ዝገለፀ ኣብ መፅናዕቲ ኢንስቲትዩት ኮመንዌልዝ ማርቲን ፕላውት ብግዲኡ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ጥሜቱ ካሊእ ኲናት ክኽፈቶ ኣይግባእን ኢሉ፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን፤ ህዝቢ ትግራይ ምስ ሱዳን ከይራኸብን ምግቢ ከይኣትወሉን ምዕራብ ትግራይ ተሓባቢሮም ብምዕፃው ብጥሜት ከፅንትዎ ይፅዕሩ ኣለዉ ዝበለ ማርቲን ፕላውት፤ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እዞም ስርዓታት ርኡይ ስጉምቲን ማዕቐብን ከንብር ይግባእ ኢሉ፡፡

ገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleመልእኽቲ ፕረዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል
Next articleእዋናዊ መልእኽቲ መንግስቲ ትግራይ