Home ዜና ስምምዕነት ሰላም ንውድቀት ስርዓት ኢሳያስ

ስምምዕነት ሰላም ንውድቀት ስርዓት ኢሳያስ

1209
0

ሰራዊት ትግራይ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብኣሽሓት ዝቁፀሩ ሓይሊታት ፅንተት እናማረኸን እናቐተለን ደላይ ሰላም ኮይኑ ኵናት ብዘተ ሰላም ክዓርፍ ምግባሩ ዝለዓለ ዓወት ምዃኑ ዝገለፀ ኤርትራዊ ፖለቲከኛ ኣይተ ሰለሞን የውሃንስ፤ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ዘይግበኦ ኲናት ትግራይ ንዝመርሐ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዕድመ ስልጣን ዘሕፅር ምዃኑ ሓቢሩ፡፡

ኣብ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፤ ኤርትራዊያን ተወዲብና ብዘይምቅላስናን፣ ነንባዕልና ጥራይ ክንሓስብ ስለ ዝገበረናን እዩ ዝበለ ኣይተ ሰለሞን የውሃንስ፤ ህዝቢ ኤርትራ ጀሚርዎ ዘሎ ቃልሲ ብምቅልጣፍ ብውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝተኣወጀሉ ፅንተት ክድሕን ፀዊዑ፡፡

ኣብ ክሳድ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ገመድ ጥፍኣት ተቐራሪባ ስለ ዘላ፤ ቀልጢፍካ ምስሓብ ትሓተና ኣላ፤ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣኪብዎ ዘሎ ሰራዊት ቀለብ ይኹን ክዳን ከየቕረበ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ካሊእ ሓይሊ እናዓለመ ጠንቂ ዘይምርግጋእ እቲ ዞባ ይኸውን ኣሎ ዝበለ ኣይተ ሰለሞን፤ ኣብ ትግራይ ኣእትይዎ ዘሎ ሰራዊት ስሒቡ ንምውፃእ ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ገሊፁ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ብሽም ባሕሪን መሬትን እናተቐስቀሰ ዕድመ ልክዑ ካብ ኲናትን ወረ ኲናትን ክወፀእ ኣይከኣለን፡፡ ብኲናትን ስደትን ድማ ተመናሚኑ እዩ፡፡ ስለዙይ ጉዳይ ኤርትራ ባዕልና ኤርትራዊያን ክንውደኦ ይግባእ ዝበለ ፖለቲከኛ ሰለሞን፤ ፅልእና ምስ ስርዓትን ውልቀ መላኪ ኢሳያስ እንበር ምስ ዝኾነ ህዝቢ ኣይኮነን ኢሉ፡፡

ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ብሰላም ንምውዳእ ዝተበፅሐ ስምምዕነት፤ ኩሉ ደላይ ሰላም ክጥቀመሉ ዝግባእን ብፍላይ መንግስቲ ትግራይ ቅድሚ ኲናት እውን ክፅውዖ ዝፀንሐን ብምዃኑ፤ ነቲ ሐዚ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ድማ ተዓዋታይ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ምዃኑ ጠቒሱ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleደጀንነት ህዝብና ንሰራዊትና
Next articleምምላስ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ