Home ዜና “ስምምዕነት ዘተ ሰላም ተግባራዊ ዝኸውን ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ማእኽል ብምግባር’ዩ!”ቢሮ ርክብ ህዝብን...

“ስምምዕነት ዘተ ሰላም ተግባራዊ ዝኸውን ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ማእኽል ብምግባር’ዩ!”ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

1051
0

ህዝቢ ትግራይ ካብ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ጀምሩ ኣብ ልዕሊኡ ብዝተኣወጀ ቅሉዕ ወታደራዊ ወራርን ወፍሪ ጀኖሳይድን ምኽንያት ከቢድ ናይ ህልውና ሓደጋ ስለዘጋጠሞ ንህልውንኡ ክብል መሪር ቃልሲ እናካየደ ይርከብ። በዚ እው ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊኡ ማእለያ ዘይብሉ ክሕደት፣ ግፍዒን በደልን በፂሕዎን እናበፅሖን ኣሎ።ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ብዝፈፀምዎ ጥፍኣት ህዝብና ብጥይት፣ ብጥምየትን ብሕማምን ክሃልቕ፤ እቲ ካብዚ ዝተረፈ እውን እግሩ ናብ ዘምርሖ ፋሕፋሕ ኢሉ ክበታተንን ክመዛበልን ተገይሩ እዩ። እዚ ጥፍኣት ጠጠው ንከብልን ህዝብና ተረጋጊዑ ዝነብረሉ ምችው ኩነታት ንምፍጣር ዘተ ሰላም ንክጅመርን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ተደጋጋሚ ፃውዒት እናገበርና ከምዝመፃእና ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር እዞም ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ንህዝብና መሊኦም ከፅንቱ ቆሪፆም ስለዝተልዓሉ ንፃዉዒትና ተሓሲሞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተኸታታሊ ውግኣት እናገበሩ ፀኒሖም እዮም።

ብዝገበርናዮ መኸተን ማሕበረሰብ ዓለም ብዝገበሮ ተደጋጋሚ ድፍኢት መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ንፃውዒት ሰላም ተቐቢሉ ምስ መንግስቲ ትግራይ ተፃብኦ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተፈራሪሙ ኣሎ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብዝተሳለጠ ኣኼባ፥ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዘለናሉ ህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንፁራት ጉዳያት ሒዝና ቀሪብና ኢና። ማለት’ውን ብቐንዱ ደው ምባል ተፃብኦ፥ ወረርቲ ካብ ትግራይ ክወፁ፥ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣትው፥ ዝተዓፀዉ ኩሎም ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ክኽፈቱ ወዘተ ዝብሉ እዮም። እዚ ስምምዕ ድልየት ህዝብና ንምምላእን ውሕስንኡ ብዘላቕነት ንምሕላውን ክንብል እንገብሮ ዘለናን ውፅኢት ቃልስናን ስለዝኾነ ንተግባራዊነቱ እውን ብዝግባእ ክንሰርሓሉ ዘለና እዩ።

ኣብዚ ስምምዕ መሰረታዊ ዓወት ተገይሩ ክውሰድ ዘለዎ ድማ ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ምኽባር ዝምልከት እዩ። ህዝብን መንግስትን ትግራይ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ተገዲድና ናብ ኩናት ዝኣተና ኣብ ልዕሌና ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት ስለዝተፈፀመልና እምበር ኩናት ሕርያና ስለዝነበረ ኣይኮነን። ቅድሚ ኩናት ምጅማሩ ኮነ ኣብ እዋን ኩናት እውን ሕገ መንግስቲ ይከበር እናበልና ብተደጋጋሚ እናሓተትናን ንማሕበረሰብ ዓለም እውን እናፍለጥናን መፂእና ኢና።

ይኹን እምበር ብወገን ኣዲስ ኣበባ ንሕቶታትና ኣወንታዊ ምላሽ ስለዘይተውሃቦ ንነዊሕ እዋን ኣብቲ ተገዲድና ዝኣተናዮ ኩናት ክንፀንሕ ክኢልና ኢና። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብዝተገብረ ስምምዕ ግን ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ንክኽበሩ ሓበራዊ መርገፂ ዝተበፅሓሉ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ብመሰረቱ ናትና ሕቶን ጠለብን እንትኾን ኣፈፃፅማኡ ከዓ ቀፃሊ ዝርርብ ዝሓትት ውራይ እዩ።

መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝርዝር ዛዕባታት እዚ ስምምዕ ብቐፃልነት መብርህታት ዝህብ እንትኾን ዝተፈላለዩ ኣካላት ብፍላጥ ይኹን በዘይፍላጥ ካብ ዘይተማልአ ሓበሬታን መረዳእታን እናተበገሱ ብዘናፍስዎም ወረታት ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ንዘሎ ህዝቢ ከደናግርዎ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ከምዘለዉ ንዕዘብ ኣለና። መንግስቲ ትግራይ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ እንተዘይኮኑ ንህልውና ህዝብና ዝጎድእ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ኮነ ስጉምቲ ከምዘይወስድ ብዝግባእ ተረዲእና ኣብ ዝርዝር ጉዳያት ብቐፃልነት ተኸታተልቲ መብርህታት ከምዝህሉ መንግስቲ ትግራይ የፍልጥ።

ሃለዋትናን ድሕንነትና ብቕልፅምና!!

ትግራይ ትስዕር!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም.

መቐለ

Previous articleደብዳብ ከበድቲ አፅዋራትን ድሮንን ከተማ ማይጨው
Next articleምርኻብ ዝተጣፍኡ ስድራ