Home ዜና ስቕያት ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ

ስቕያት ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ

1922
0
FILE PHOTO: A general view shows the cityscape of Ethiopia's capital Addis Ababa, January 29, 2017. REUTERS/Tiksa Negeri/File Photo

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ደቂ ትግራይ  ሕዚ እውን ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ በደልን ግፍዕን ተጠናኺሩ ይቕፅል ምህላዉ ግዳያት ወገናት ገሊፆም፡፡

ካብ ስራሕን መንበሪ ገዝኦምን እናተገፈፉ ድማ “ዝተማረኽና ኣባላት ጁንታ ኢና በሉ” እናተባህሉ ሓያል ፀቕጢ ይግበረሎም ምህላው  እውን ኣመላኪቶም፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓረደ ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዓውደ ግንባር ፅዋዕ ስዕረት ክጭልጥ እንተሎ ዓንፆ ዓንፆ ንማዕፆ ከምወዮ ዝተባህለ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ንዝርከቡ ደቂ ትግራይ ሕነኡ ክዋፃእ ምፅንሑ ይፍለጥ፡፡ እነሆ ሕዚ እውን ባዕሉ ኣብ ዝወለዖ ዓውደ ግንባር ብሓየት ሰራዊት ትግራይ ምስ ተሰባበረ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝፍፅሞ ዘሎ ኩለንተናዊ ግፍዕታት ቀፂሉሉ ከም ዘሎ ምእንተ ድሕንነቶም ክንብል ሽሞም ዘይንጠቕሶም ግዳያት ኣብ ዝሰደዱልና መልእኽቲ ድምፂ ኣፍሊጦም፡፡

ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዓውደ ግንባራት ጥር ዝብል ኣባል ሰራዊት ትግራይ ምምራኽ ምስ ተሳእኖ ካብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ደቂ ትግራይ ብምዃኖም ጥራይ ገፊፉ ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ንዝኣሰሮም ንፁሃን ወገናት ብኣስገዳድ ብቪድዮ እናቀረፀ “ዝተማረኽና ኣባላት ጁንታ ኢና በሉ” እናበለ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ይጥቀመሎም ምህላው እውን እቶም ዜጋታት ኣገንዚቦም፡፡

እቶም ግዳያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኹን ኣብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ብሰንኪ መንነቱ ሓሳመ መከራ ይርእይ ናይ ዘሎ ተወላዲ ትግራይ ድሕንነትን ሃለዋትን ዝረጋገፅ ሰራዊት ትግራይ ጀሚርዎ ዘሎ ቃልሲ ተጠናኺሩ ምሉእ ዓወት ምስ ዝጎናፀፍ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleካብ መግለፂ ኣባል ሰንተራል ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ
Next articleእዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ!