Home ዜና ስነ-ስርዓት ምትካል ፈልሲ ቀወምቲ ፍረታት

ስነ-ስርዓት ምትካል ፈልሲ ቀወምቲ ፍረታት

1074
0

 ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ተስፋ ዝህብ ክረምቲ ሕድሕድ ትግራዎይ ኣብ ዝማእመኦ ቦታ ዕጽዋት ክተክል ከምዝግባእ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ፀዊዓ፡፡

 እዚ ዝተገለፀ እቶም ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ቀፅሪ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣኽሱም ፅዮን ኣብ ዘሳለጥዎ ስነስርዓት ምትካል ፈልሲ ቀወምቲ ፍረታት  እዩ፡፡

ናይ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዝርከብ መንበሪ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ስነ-ስርዓት ተኸላ ፈልሲ ኣሳሊጦም፡፡ ዕላማ ናይቲ ኣብ ቀፅሪ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣኽሱም ፅዮን ዝተኻየደ ተኸላ ፈልሲ ማንጎን ፓፓዮን ድማ ሕብረተሰብ ንተግባራቶም ተኸቲሉ ኣሰሮም ክስዕብ ፡ ነቲ ካብ ስደት ናብ መንበሪኡ ዝተመለሰ መንበሪ ሰላማ መዘከርታ ክኸውንን ፡ ከምኡ እውን ነቶም ምእንቲ ህዝቦምን ዓዶምን ኣብ ፎቆዶ በረኻ ንዝተረፉ ሰማእታት ኩቡር ኣዕፅምቶም ብኣግራብ ተሸፊኑ ብሰላም ንከፅልሉ ዝዓለመን ምዃኑ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣገንዚቦም፡፡

ዕፅዋት ምትካል ክንዮ እቲ ዝህብዎ ፅሩይ ኣየርን ዕቐባ ማይን ሓመድን ኣብ መኣዲ ስነ ምግብና እውን ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎም ዝተረድኡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ኣብ መላእ ትግራይ ኣጋጢሙ ንዘሎ ጥሜትን ዓፀባን ኣብ ግምት ዘእተወን ኣብ ሓፂር እዋን ዝፍርዩን ፈልሲ ማንጎን ፓፓዮን እዮም ተኺሎም፡፡ ኹሉ ትግራዋይ ድማ ኣሰሮም ሲዒቡ ኣብዚ ራሕሲ ዝመልኦ ክረምቲ እንተዋሓደ ሓንቲ ተኽሊ ተኺሉ ክንከባከባ ይግባእ ክብሉ ኣባታዊ ማዕድኦም ኣመሓላሊፎም፡፡

ፀጋይ መኮነን

Previous articleወፍሪ ልምዓት ድንሽን ሽኮር ድንሽን  “Potato Revolution” ወያነ ድንሽ
Next articleተቓውሞ ኦነግ ንመግለፂ ሕብረት ኣፍሪካ