Home ዜና ስነ-ስርዓት ርኽክብ ትራክተራት

ስነ-ስርዓት ርኽክብ ትራክተራት

538
0

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ሓረስታይ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ሕፅረት ናዉቲ ሕርሻ ንምፍታሕ 39 ትራክተራት ዓዲጉ ንቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣረኪቡ።

ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ብወገኑ ዓቕሚ ንዘይብሎም መራሕቲ ስድራን ደቂ ኣንስትዮን ቐዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር እያሱ ኣብርሃ ገሊፆም።

ሎሚ ዓመት ኣብ ትግራይ ብዉሑዱ 17 ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ ዶክተር እያሱ መንግስታዉን ዘይመንግስታዉን ኣካላት ኣብ ዳግመ ሕውየት ሕርሻ ትግራይ ዝኸኣልዎ ኩሉ ክሕግዙን ዝተጓሳቐለ ናብራ ሓረስታይ ትግራይ ንክሓዊ ክሰርሑ ፀዊዖም።

ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣተሓባባሪ ስግግር ቁጠባ ኣይተ በየነ ምክሩ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘመናዊ ትራክተራት ብምትእትታው ብኲናት ዝተሃሰየ ዓዉደ ሕርሻን ብሓፈሻ ድማ ዘፈር ቁጠባ ትግራይ ንምሕዋይ ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ ገሊፆም። ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ እተን ትራክተራት ዛጊድ ንዞባታት ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ትግራይ ንሕድሕዶም 11 ትራክተራት ዝተኸፋፈላ ኮይነን ኣማሓደርቲ እተን ዞባታት ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስን ወይዘሮ ሊያ ካሳን ሓረስታይ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሕፅረት ናዉቲ ሕርሻ ክፈትሓን ብኲናት ዝተሃሰየ ዓውደ ሕርሻ ትግራይ ንምሕዋይ ዓብዪ ተራ ከምዘለወን ሓቢሮም።

እተን ሎሚ ንክልተ ዞባታት ዝተኸፋፈላ ትራክተራትን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ዝሐገዘን ትራክተራትን ሓዊሱ ዛጊድ 69 ትራክተራት ኣብ ኢድ ቢሮ ልምዓት ሕርሻ ዝርከባ ኮይነን እተን ዝተረፋ ትራክተራት ናብ ካልኦት ዝተረፋ ዞባታት እዉን ተመሳሳሊ ርኽክብ ከም ዝግበር እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።

#ገብረመድህን ተወልደመድህ

Previous articleጥሮታና ዘይምርካብና ንጥሜት ተቓሊዕና
Next articleወረርቲ ሓይልታት ካብ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣታት ትግራይ ክወፁ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለምለኸ መንጐኛታትን ክሰርሑ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ተጋሩ ፀዊዑ።