Home ማሕበራዊ ስነ-ስርዓት ቐብሪ ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ(ወዲ ነጮ) ሎሚ ተፈፂሙ፡፡

ስነ-ስርዓት ቐብሪ ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ(ወዲ ነጮ) ሎሚ ተፈፂሙ፡፡

1206
0

ስነ-ስርዓት ቐብሪ ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) ብፁእ ወቕዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስት ስላሴ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ተፈፂሙ፡፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ቐብሪ ዝተረኸቡ ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሕራነ፤ ጅግና ኣይነብርን ታሪኩ እዩ ነባሪ፣ ንሕና መን ዲና . . . ተጋሩ፣ ንሕና ኣይንመውትን ትግራይ_ትስዕር፣ ዝሳቀዩ ዘለዉ እሱራት ተጋሩ ይፈትሑ፣ ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ኣስሚዖም እዮም፡፡

ብምክንያት መንነቱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) ብሽርሒ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ተቐቲሉ እዩ። ስነ-ስርዓት ቐብሪ ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) ብፁእ ወቕዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስት ስላሴ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ተፈፂሙ፡፡ቕትለት ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) ብዘይሻራዊ ዓለም ለኸ መፃረይ ክፃረ ኣለዎ ዝብል ቐዋም መንግስቲ ትግራይ ዝድግፉ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዝተገለፁ እንትኮኑ ብሌን ዓይኒ ህዝቢ ትግራይ ሕብረቱ እዩ ሐዚውን ከም’ቲ ዝጀመሮ ብሕብረት ተቓሊሱ ነፃነቱ ከረጋግፅ ከምዝክእል ድማ ብምክንያት መስዋእቲ ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ትግራይ ብምክንያት ቅትለት ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ተወለድቲ ትግራይ ብምክንያት መንነቶም ይቕተሉን ይእሰሩን ከምዘለዉን ክሳብ ሐዚ ከም ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) ዝበሉ ልዕሊ 170 ከምዝተሰወሩን ከምዝተቐተሉን ኣፍሊጡ እዩ፡፡ብ1975 ዓ/ም ንቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብንእስነቶም ዝተፀንበሩ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ /ወዲ ነጮ/ ደርጊ ንምድምሳስ ኣብ ዝተገበረ መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ተራ ተጋዳላይ ክሳብ ሜጀር ጀነራል ክሳብ ሕልፈተ ህይወቶም ምእንተ ትግራይ እናተቃለሱን እናቃለሱን ዝነበሩ እዮም፡፡

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ ኣብ ቻይና ብኮማንዶነት ሰልጢኖም ዝመፁ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ /ወዲ ነጮ/ ኣብ ላይቤርያ ዝተሳተፈት ኮማንዶ መሪሖም ኣብ ምውሓስ ሰላም እታ ሃገር ዕዙዝ ግደ ኣበርኪቶም እዮም።ሻዕብያ ባድመ እንትወርር ድማ ኣዛዚ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት ኾይኖም ኣብ ግንባር ገምሃሎ ወፍሪ ፀሓይ ዓራርቦ፣ ሰንበልን ባድመን ካብ ዝመርሑ መራሕትን ተቃለስትን ሓደ ብምኻን ተቃሊሲም እዮም፡፡ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ /ወዲ ነጮ/ ኣንፃር ኣልሸባብ ኣብ ዝተገበረ ወፍሪ ምክትል ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኣግኣዚ ኮማንዶ ኮይኖም ብምውፋር ኣብ ምኽባር ሰላም ሶማልያ’ውን እጃሞም ኣወፍዩም እዮም።

ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመለሱ እዉን፡ ዋና ኣዛዚ እቲ ክፍለ-ሰራዊት፡ ፀኒሖም ድማ፡ ኣዛዚ ሻድሻይ መካናይዝድ ክፍለ-ሰራዊት ደሓር ድማ፡ ሓላፊ ሕብረት ወተሃደራዊ ስታፍ ኮሌጅ ሰሜን እዚ ኮይኖም ኣገልጊሎም።ብዓል ሓዳርን ኣቦ 3 ቆልዑን ዝነበሩ ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ /ወዲ ነጮ/ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ክሳብ ዝመፅእ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኣግኣዚ ዝነበሩ እንትኾኑ ክሳብ እቲ ጉጅለ ፋሽስት ናብ ቤት ማእሰርቲ ዘእትዎም ኣብ ምክልኻል ሃገር ሓላፊ መምርሒ ርክብ ሳይበርን ኤሌክትሮኒክስን ኮይኖም ኣገልጊሎም እዮም፡፡ወዲ ነጮ ኣዛዚ ኮማንዶ ሰራዊት ኣግኣዚ ኾይኖም ኣብ ሶማሊ ንጉጅለ ኣልሸባብ ንምጥፋእ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ብጅግንነትን ብብቅዓትን ዝመርሑ ጅግና ተጋዳላይ ተዋጋእን መራሒ ውግእን ምንባሮም ይፍለጥ።

ብኤፍሬም ረደሀይ

Previous article“ዓለም መዓልቲ ነፃነት ሚድያ ክተኽብር እንከላ ድምፂ ዝሰኣነ ጀኖሳይድ ትግራይ ድምፂ ክትከውን ይግባእ፡፡” ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ
Next articleዋና ቤት ፅሕፈት ጠቕላይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክኸውን ተወሲኑ።