Home ዜና ስዕረት መሓመድ ፋርማጆ

ስዕረት መሓመድ ፋርማጆ

1196
0

ፈታውን ኣማኻርን ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ መሓመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆ  ብመረፃ ካብ ስልጣን ተወጊዱ፡፡

ነበር ፕሬዘዳንት ሶማልያን ኣብ ጄኖሳይድ ትግራይ ቀንዲ  ኣማካርን ተሓባበርን ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ  ዝነበረ መሓመድ ፋርማጆ  ብመረፃ ካብ ስልጣን ተወጊዱ፡፡

ሃገር ሶማል ታሪካዊ ዝበሃል መረፃ ዘካየደት እንትትከውን ሃሰን ሼክ መሓመድ  ዓስራይ ፕረዚደንት ኮይኖም ብምምራፆም ዜጋታት እታ ሃገር  ታሕጓሶም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ፡፡

ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት እንትእውጅ ካብ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ቀፂሉ ኣብ ጎኑ ካብ ዝተሰለፉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ሓደ ዝኮነ ነበር ፕረዚደንት  ሶማልያ  ማሓመድ ፎርማጆ  እዮ፡፡ ፈታዊ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝኮነን ኣብ ጀኖሳይድ ትግራይ ብግልፂ ከምዝተሳተፈ ዝንገረሉ  መሓመድ ፎርማጆ ኣብታ ሃገር ብዝተካየደ ፕረዚደንታዊ መረፃ  ካብ ስልጣን ከም ዝተወገደ  ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

መሓመድ ፈርማጆ ኣብ ኲናት ትግራይ ወተሃደራት ብምልኣክ ኣብ ትግራይ ጀኖሳይድ ዝፈፀመ እንትኮን  ነዚ ከም ውዕለታ ገይሩ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕን ኣብ መረፃ ንክስዕርን ካብ ፋሽስታዊ ኣብይ ኣሕመድ ሓገዝ ዝሓተተ እኳ እንተኮነ  ካብ ምስዓር ግን ከትርፎ ኣይከኣለን ፡፡

ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ጊዜ መረፃ ብምንውሑ መረፃ ክናዋሕ የብሉን ኢሉ መረፃ ንዘካየደ ህዝቢ ትግራይ ኲናት እንትእወጅሉ  ኣሰሩ  ዝተከተለ  ኣብዱላሂ ፋርማጆ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ጊዜ መረፃ ድሕሪ ምንውሑ ብፅዕንቶ ህዝቢ ሶማልን ማሕበረሰብ ዓለምን ግን ሶማልያውያን ታሪካዊ መረፃ ብምክያድ ንመሓመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆ ብምውጋድ  ሓዱሽ ፕረዚደንት  መሪፆም ኣለዉ፡፡

እዞም  ሕግን መሰል ድቂ ሰባትን  ግሂሶም ስልጣን ንምብሓት ዝስርሑ ዘለዉ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ከምኡ ድማ መሓመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆን  ሰራዊቶም  ከምድሌቶም ናብ ዝደልይዎ ሃገራት እናሸጡን እናለኣኩን ዋላ እንተሃለዉ  መሓመድ ፋርማጆ ብመርፃ ካብ ስልጣን  ምውጋዶም  ስርዓት መላካይነት መወዳእትኡ  ውድቀት ምኳኑ ብመርኣያነት ይግለፅ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ዝተካየደ መረፃ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2012-2017 ፕረዚደንት ሶማልያ ዝነበረ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዓስራይ ፕረዚደንት ሶማልያ ኮይኖም ዝተመረፁ እንትኮን ዜጋታት እታ ሃገር ሓጎሶም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ፡፡

ሶማልያ ካብ 1969 ንደሓር ሓደ ሰብ ሓደ ድምፂ ዝብሃል ዲሞክራሲያዊ መስርሕ መረፃ ርእያ ከም ዘይትፈልጥን ኣብቲ ግዜ ዝነበረ መረፃ ዕልዋ መንግስቲ፣ ምልካዊ ስርዓት፣ ቀቢላዊ ጎንፅታት፣ ሚልሻታትን እስላማዊ ጕጅለታትን ፈጢሩ እዩ።

እዚ ዘይምርግጋእ ድማ ሶማልያ ቀጥታዊ ምርጫ ንኸይተካይድ ማሕለኻ ኮይኑ ፀኒሑ’ሎ። እቲ ሐዚ ዘተካየደ መረፃ እውን ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዘይቀጥታዊ ምርፃ እንትኮን  ኣቐዲሞም ዝነበሩ ምረፃታት ኣብ ኬንያን ጅቡትን ከም ዝተኻየዱ ቢቢሲ ፀብፂቡ ።

ፅርይቲ ሓረጎት

Previous articleወያነ ፀላኢና ብዝብል ጉልባብ ተሓቢኡ ዝፀንሐ ስርዓት ህግደፍ ቀንዲ ፀላኢ ህዘቢ ኤርትራ እዩ – ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ኢያሱ
Next articleዓመታዊ ጉባኤ ትካል ጥዕና ዓለም