Home ዜና ስዕረት ፎርማጆ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዘነፃፀረ መድፍዕሓዱሽ መሪሕነት ሶማሊያ፤ ንለውጢ ፖለቲካ ምብራቕ...

ስዕረት ፎርማጆ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዘነፃፀረ መድፍዕሓዱሽ መሪሕነት ሶማሊያ፤ ንለውጢ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪካ ወሳኒ ምዃኑ ብሉምበርግ ፀብፂቡ፡፡

879
0

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2012 ክሳብ 2017 ሃገረ ሶማሊያ ብፕረዝደንትነት ክመርሕ ዝፀንሐ ወዲ 66 ዓመት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ን5 ዓመታት ሃገረ ሶማሊያ ክመርሕ ንዝፀንሐ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ /ፎርማጆ/ ስዒሩ ንኻልኣይ ግዘ ናብ ስልጣን ምምፅኡ ኣብ ሃገረ ሶማሊያ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ለውጢ ንኽምዝገብ በሪ ከፊቱ ምህላዉ ጋዜጠኛ ብሉምበርግ ስምኦን ማርክስ ፀብፂቡ፡፡

ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ቀዳማይ ዙር ዘመነ ስልጣኑ ኣብ ኢትዮጵያ ከሰጉሞ ዝፀንሐ ቅዋም ምስቲ መሓመድ ፎርማጆን ኢሳያስ ኣፈወርቂን ከሰጉምዎ ዝፀንሑ ኣካይዳ ፍፁም ተፃራሪ ምዃኑ ዝገለፀ ብሉምበርግ ስዕረት መሓሞድ ፎርማጆ ኣብ ኣስመራ ዘነፃፀረ መድፍዕ ከም ዝተተኮሰ ጌርካ ክውሰድ ዝኽእል ምዃኑ ሓቢሩ፡፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2006 ክሳብ 2009 ኣብ ሶማሊያ መሰረት ጌሩ ክንቀሳቐስ ዝፀንሐ ግበረ-ራዕዲ ኣልሸባብ ኣብ ምውጋእ ስርዓት ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቀንዲ ዕንቅፋት ምዃኑን ውድብ ሕቡራት ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ማዕቐብ ምንባሩን ዘዘኻኸረ ብሉምበርግ ስልጣን ፎርማጆ ስዒቡ ኣብ መንጎ ኢሳያስን ኣብይን ዝተፈጠረ ርክብ ስዒቡ ተነቢሩ ዝፀንሐ እገዳ ምልሕልሑን መሓውር ስለያ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሶማሊያ ከም ድላዩ ክሕምስ ዕድል ምርካቡን ሓቢሩ፡፡

ንሓዱሽ መሪሕነት ሓሰን ሸክ ማሕሙድ ኣመልኪቱ ንብሉምበርግ መብርሂ ዝሃበ ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ላዕለዋይ ክኢላ ሶማሊያ ዖማር መሓመድ ብግዲኡ ንውሳነ ህዝቢ ሶማሊያ ከም ዘድንቕን በሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሶማሊያ ተፈጢሩ ዝነበረ ክልተኣዊ ወፍሪ ስለያ ደው ከም ዝብልን ሓቢሩ፡፡ሓሰን ሸክ ማሕሙድ ቃለ መሓላ ምፍፃሙ ስዒቡ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ እውን መልእኽቲ ሰናይ ትምኒትን ምትሕብባርን ልኢኹ፤ እንተኾነ ግና ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝሃቦ ዝኾነ ግብረ መልሲ ዘይምህላዉ ዝጠቐሰ ብሉምበርግ፤ ሚኒስትሪ ሓበሬታ የማነ ገ/መስቀል እውን ኣብዚ ጉዳይ ተሓቲቱ መልሲ ንምሃብ ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ኣመላኺቱ፡፡

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሮስኪልዴ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ቶቢያስ ሃግማን ንሓዱሽ መሪሕነት ሶማሊያ ኣመልኪቱ “ኢሳያስ ኣብ ሞቓዲሾ እሙን ዓርኪ ስኢኑ” ዝብል ርእይቶ ሂቡ፡፡ ሽርክነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንሓፂር እዋንን ኣብ ጥቕሚ ዝምስረትን ብምዃኑ ኣብ ሞቓዲሾ ስኢንዎ ዘሎ ዕርክነት ፀረ ትግራይ ደው ክሳብ ዝበሉ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ኮይኑ ንምፍፃም ንድሕሪት ኣይብልን ኢሉ፡፡ ወታደራት ሶማሊያ ኣብ ትግራይ ወራር ምፍፃሞም ኣብ ኣደባባያት ክቃወሙ ዝፀንሑ ሓዱሽ ፕረዚደንት ሶማሊያ ካብ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል መልእኽቲ ሰናይ ትምኒትን ብሓባር ንምስራሕ ዕድል ከምዝኸፍትን ገሊፀምሎም እዮም፡፡

ኣብ ሶማሊያ ዝመፀ ለውጢ መሪሕነት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሓዱሽ ቅዲ ፖለቲካ ከስዕብ ከም ዝኽእል ዝፀብፀበ ብሉምበርግ፤ ኣሜሪካ ኣብ ዘመነ ስልጣን ፎርማጆ ኣቋሪፃቶ ዝፀንሐት ወታደራዊ ሓገዝ ከም ብሓዱሽ ንምጅማር 500 ወታደራት ከም ዝመደበት ኣፍሊጣ ኣላ፡፡ ኣብ ሶማሊያ ተፈጢሩ ዘሎ ለውጢ መሪሕነት ከምቲ ብዙሓት ዝፅበይዎ ለውጢ ይመፅእ ‘ዶ ይኾን? ዝብል ግን መሀንጠዊ ሕቶ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleክሕደት ዉልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ
Next articleመንግስቲ ትግራይ ልዕሊ 4,200 ሙሩኻት ብምሕረት ክልቀቑ ወሲኑ፡፡