Home ሕርሻ ስግኣትን ተስፋን ሓረስታይ ትግራይ

ስግኣትን ተስፋን ሓረስታይ ትግራይ

1294
0

ሓረስታይ ትግራይ ቀፃሊ ክራማት ደበና ስግኣት ኣንፀላልይዎ እዩ ዝፅበ ዘሎ፡፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈፀመ ገበን ጀኖሳይድ በሰልኡ ኣይሓወየን ኣሎ፡፡ ስድርኡ ግዳይ እቲ ቅሉዕ ወራር ኮይኖም እዮም፡፡ ኣባል ስርኡ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ብፋሽስት ሰራዊት ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝተደፈሮ ብዙሕ እዩ፡፡ ኣባል ስድርኡ ዝተቐተሎ እውን ከምኡ ብርክት ዝበለ ሓረስታይ እዩ ፤ ካብ ዓዱን ዓውዱን ዝተመዛበለ ሓረስታይ ቖፂርካ ኣይውዳእን፡፡ ብሰንኪ ዝበፅሖ ግፍዒ ግዳይ መጉዳእቲ ኣካል ኮይኑ ዓዲ ውዒል ዝኾነ ድማ ከምኡ ብዙሕ እዩ፡፡
ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህይወቱ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ሃፍቱን ጥሪቱን እውን ሰፍ ዘይብል ዕንወትን ብርሰትን በፂሕዎ፡፡ ሕዚ ሓረስታይ ትግራይ ፤ ሓረስታይ ዘብሎ ሃፍቲ የብሉን ፡፡ ብዘይ ጥሪት ሓረስታይ ዝብል “ ስም ” ጥራሕ ተሰኪሙ ይርከብ፡፡ እተን ዝነበረኦ ከፍትን ጠለቢጊዕን ብወረርቲ ተሓሪደን ተበሊዐን እየን፡፡ ገሊአን ድማ ተሰሪቐን፡፡ ኣብ ቀፃሊ ክራማት ግራቱ ከለሳልስ እንተበለ ዝሓርሰሉ ኣብዑር ካበይ ከምፅእ? መሳርዕ ሕርሽኡ ናብ ግራት ዝፆርሉ ኣድገ በቕሊ እውን ከይተረፉ ተወሲዶም ፤ ናውቱ ብኣብዛሓ ኮነ ተባሂሉ ከይጥቀመሎም ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኖምዎ፤ ሓረስታይ ትግራይ ሕዚ ዳርጋ ጥራሕ ኢዱ እዩ ተሪፉ ዘሎ፡፡
ምሩፅ ዘርኢ ይትረፍ እተን ኣብ ገዛ ክበልዐን ዝዓቖረን ኣእኻል እውን ከም ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዝበሉ ጨካናት ከይበልዐን ምእንቲ ኮነ ኢሎም ምስ ሓመድ ሓዋዊሶምወን፡፡ በታ ዝርካቡ ክዘርኣ እየ ኢሉ ዘዳለዋ ዘርኢ እውን ዘበናዊ ድኹዒ ተጠቒሙ ክዘርኣ ኣይሕሰብን፤ መዳበርያ ዝበሃል የለን፡፡ እቶም ፋሽስቲ ኣሸንካይዶ ዘበናዊ ድኹዒ እታ ንዕለታዊ ምግቢ እትውዕል እሞ ድማ ብሰብኣውነት ዝተልኣኸት ሓገዝ እኽሊ እውን ናብ ትግራይ ከይትኣቱ ስለዝገበሩ ሕዚ ዘበናዊ ድኹዒ ክሰዱ ምሕሳብ ኣይከኣልን፡፡ እቶም ፋሽስቲ ወርርቲ ኣብ ልዕሊ መሓውር ሕርሻ ትግራይ ከቢድ ዕንወት ስለዝፈፀሙ ጣብያታት ፈልሲ፣ መሳርሒታትን እታወታትን ሕርሻ፣ ምርምር ሕርሻ፣ ግልጋሎት መሐከሚ እንስሳ ዓንዮም እዮም፡፡ ኮታስ ንስራሕቲ ሕርሽኡ ዝሕግዙ ግልጋሎታት ከምዘይህሉ ገይሮም፡፡
ስለዚ ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ከቢድ ስግኣት እዩ ዘሎ፡፡ ነዚ ስግኣት ዝቕንጥጠሉ መፍትሒ ግን ኣብ ኢድ ሓረስታይ፣ ህዝብን መንግስትን እያ ዘላ፡፡ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ትግራይ ይብሎ ከምዘሎ እቲ ሓረስታይ ነባርን ባህላውን ተሞክሮኡ ክጥቀም ኣለዎ፡፡ ኣብዚ ዘበን ካልእ ኣማራፂ የለን፤ ድኲዒ ምድኳዕ እዩ ዝመከር ዘሎ፡፡ ግራት ድማ ምልስላስ ከምዘሎ ኮይኑ ባህላዊ ፍርያት ናይ ምድንፋዕ ስራሕቲ ክሳለጥ ትፅቢት ይግበር፡፡
ኣብዚ ዓመት ደጀን ንምጥንኻር ዝተሰርሐ ስራሕቲ ቁልፊ መፍትሒ ምድግጋፍ ፣ ምትሕግጋዝ እያ፡፡ ብዕራይ ዘለዎ ኣብዕሩ ንዘይብሉ ሂቡ ክሓርሱ ምግባር ፣ መሳርዕ ዘይተማለኣሉ ሓረስታይ ካብ ካልእ መሳርዕ ምምላእ፣ ዘርኢ ዘይብሉ ካብታ ዘላቶ ኣካፊሉ ክዘርእ ምሕጋዝ፣ ዓቕሚ ንዘይብሎም ሓረስቶት ግራውቶም ተዋፊርካ ምሕራስ ፣ ትሉም ከይዲ ወፍሪ ብምድላው ነብሲ ወከፍ ስራሕቲ ሕርሻ ብዝተወደበን ብዝተዋደደን ኣገባብ ክምራሕ ምግባር የድሊ፡፡
ሓረስታይ ትግራይ እቲ ዘንፀላላዎ ስግኣት ዓርሱ ብዓርሱ ብምትሕግጋዝ እዛ ፀባብ ግዘ ክሰግራ ኣለዎ፡፡ ናብታ ናይ ቀደም ባህሊ ምትሕግጋዙን ተወፍርትን ክምለስን ኩላ ግራት ሓረስታይ ክትላሰለስ ፣ ክትሕረስ፣ ኣድላይ ባህላዊ ድኽዒ ተጠቒምካ ክትዝራእ ብቐፃሊ ድማ ኣዝርእቲ ክተቡቅል ፣ ክትትል ክግበረላ ዘኽእል ስራሕቲ ክዕመም ይግባእ፡፡ ኣብዚ እዋን ዝህልዋ ምሩፃት ተሞኩሮታት እንተተዓቂበንሞ ናብ በቢከባቢኡ ክሰጋገራ እንተኺኢለን ተስፋ ሓረስታይ ከምዘለምልማ ጥርጥር ኣይህሉን፡፡
ሓረስታይና ነባር ልምድታት ኣለዉዎ፡፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ዘሎ ዕቑር ልምዲ ሕርሻ ክፍለጥ ፣ ተፈሊጡ ድማ ምጥቃም የድሊ፡፡ ኣብ በይኑ ጥራሕ ከይትተርፍን ናብ ካልእ ክትጋፋሕን ካብ ዘረባ ንላዕሊ ተግባር እተድልየሉ እዋን ሕዚ እያ፡፡ ምኽንያቱ እዛ መፃኢት ክረምቲ ወሳኒት እያ ፤ እንተተጠቒምናላ ሓረስታይና ካብ ስግኣት ኣውፂኣ ተስፋ እተስንቕ ክትከውን እያ፡፡ ብኣግባቡ እንተዘይተጠቒምናላ ድማ ስግኣት ጥራሕ ዘይኮነተስ ሓደጋ እተስዕብ እያ፡፡ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ትግራይ መፍራይነት ሎሚ ዘበን ናይ ሞትን ሒየትን እያ ዝብል ዘሎ እምበኣር ስግኣት ሓደጋ እትፍጠረላ ኩነታት ስለዛላ ደበና ስግኣት ሓረስታይና ክትቕንጠጥ ብሓረስታይና ባዕሉ ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኪኢላታት ሕርሻን፣ ምሁራት እቲ ዓውድን ኣብ ባይታ እትረአ ስራሕ ክሰርሑ ፤ ምስርሖም ዘይተርፍ ድማ እቲ ምንቕስቓስ ብውዳበ ክምራሕ፣ ዝተዋደደን ዝረአ ሸቶን ክህልዎ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ብመሰረት ታደሰ

Previous articleድሕሪ እቲ ሰሙን ዘቑፀረ ምርድዳእ ተፃብኦ ደው ምባል ሕዚ እውን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ናብ ትግራይ ምግቢ ከእትዎ ከምዘይካኣላ ተሓቢሩ፡፡
Next articleምጥንኻር ሓድነት ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን